30 ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሓዲጎም፥ ኣብ ዕርድታቶም ተቐመጡ፤ ሓይሎም ተወዲኡ ኸም ኣንስቲ ኾኑ። መሸጐሪታት እታ ኸተማ ተሰባበረ፤ ኣባይታ ብሓዊ ነደደ።
ንሱ ነቲ ናይ ነሃስ በርታት ሰቢሩ እዩ እሞ፤ መሸጐር ሓፂናትውን ቈራሪፁ እዩ እሞ።
መሸጐሪ መዓፁኺ ኣፅኒዑ እዩሞ፥ ንደቅኺውን ኣብ ውሽጥኺ ባሪኹዎም እዩሞ።
ኵሎም ሰነፋት ልቢ ደንገፁ፤ ድቃሶምውን ደቀሱ፤ ኵሎም ሃብታማትውን ኣብ ኢዳቶም ዝኾነ ኣይረኽቡን።
በታ መዓልቲ እቲኣ ግብፃውያን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክቐፅዖም ኢሉ ኢዱ ኽዝርግሕ እንተሎ፥ ራዕራዕ ክብሉን ክድንግፁን እዮም።
“እንሆ፥ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፤ ሓዊ ኸዓ ኸቃፅሎም እዩ፤ ካብቲ ሓይሊ ሃልሃልታ ሓዊ ዝተልዓለ፥ ንርእሶም ከድሕኑ ኣይኽእሉን፤ እቲ ሓዊ ንሱ ሰብ ዝሞቖ ጓህሪ፥ ወይ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ዝበሃለሉ ሓዊ ኣይኮነን።
ከተማታት ክውረራ እየን፤ ዕርድታትውን ክተሓዝ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ፥ ቅልውላው ሕርሲ ከም ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።
ኣብ ዙርያኣ ዄንኩም ‘ኢዳ ሃበት፤ ዕርዳ ወደቐ፤ ቅፅራ ፈረሰ፤ እዙይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ሕነኣ ፍደይዋ፥ ኢዳ ሂባ፥ ግምብታት ወዲቖም፥ ቅፅርታት ፈሪሶም’ ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ።
ፀላኢ ነቲ መሰጋገሪ ሩባ ኸም ዝሓዞ፥ ነቲ ዕርድታትውን ብሓዊ ኸም ዘንደዶ፥ ንሰራዊት ባቢሎን ከዓ፥ ድንጋፀ ኸም ዝወሓጦም ክነግርዎ ይጓየዩ።
ኣነ ንመሳፍንታን ንጠቢባናን፥ ንኣሕሉቓን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣን፥ ከስክሮም እየ፤ ንዘለኣለምውን ደቂሶም ከም ዘይነቕሑ፥ ክገብር እየ፤ ይብል እቲ ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተብሃለ ንጉስ።
ጤት። በሪታታ ኣብ ምድሪ ሰጠሙ፤ ንመሀርሀሪታታ ኣጥፍአ፤ ሰባበረ፤ ንጉሳን መሳፍንታን ሕጊ ኣብ ዘይብሎም ተማሪኾም፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣለዉ፤ ደጊም ትምህርቲ ሕጊ ኣይህሉን፤ ነቢያታውን ካብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ራእይ ኣይረኽቡን።
ንመሸጎሪ ደማስቆ ኽሰብሮ እየ፤ ነቶም ነበርታውን ካብ ለሰ ኣዌን ከጥፍኦም እየ፤ ነቲ በትሪ ዝሓዘ ድማ፥ ካብ ቤት ኤደን ከጥፍኦ እየ፤ ህዝቢ ሶርያውን ተማሪኾም ናብ ቂር ክኸዱ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
እንሆ፥ እቶም ኣብ ማእኸልኪ ዘለዉ ህዝብኺ ኣንስቲ ኮኑ። እተን ደገታት ሃገርኪ፥ ንፀላእትኺ ኽፉታት እየን፤ ነቲ መሀርሀሪታት ኣፍ ደገታትኪ ሓዊ በልዖ።
ነቲ ኣብኣ ዝወርድ ዝነበረ ስቓይ ስለ ዝፈርሑ፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፦ ‘ወይለኺ! ወይለኺ! ኣቲ ዓባይ ከተማ፥ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፥ ፍርድኺ ብሓንቲ ሰዓት መፂኡኪ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።