27 “ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ መለኸት ንፍሑ፤ ኣህዛብ ኣዳልዉላ፤ ንመንግስታት ኣራራትን ሚኒን ኣስከናዝን ኣኽትቱላ፤ ኣሕሉቕ ሽሙላ፤ ፀጓራት ኣንበጣ ዝመስሉ ኣፍራስ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኣውፅኡ።
ደቂ ጋሜር፦ ኣስከናዝ፥ ሪፋት፥ ቴርጋማ።
ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እታ መርከብ ኣብ እምባ ኣራራት ዓረፈት።
ሓደ መዓልቲ ሰናክሬም ኣብ ቤት ኣምልኹ ናሳራክ ክሰግድ እንተሎ፥ ደቁ ኣድራማሌክን ሳራሳን ብሰይፊ ቐተልዎ። ንሳቶም ድማ ናብ ሃገር ኣራራት ሃደሙ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣስራዶን ነገሰ።
ደቂ ጋሜር፦ ኣስከናዝ፥ ሪፋት፥ ቴርጋማ፥
ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፥ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘለኹም ኵልኻትኩምውን፥ ምልክት ኣብ እምባታት ልዕል ምስ በለ፥ ተመልከቱ፤ መለኸት እንትንፋሕውን ኣድምፁ።
ኣብ ቤት ናስራኽ ኣምላኹ ኽሰግድ እንተሎ፥ ደቁ ኣድራማሌክን ሳራሳርን ብሰይፊ ቐተልዎ፤ ናብ ምድሪ ኣራራት ከዓ ሃደሙ። ኤሳር ሃዶን ወዱ ድማ ተኪኡ ነገሰ።
ህዝባውን ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን ንኣኣቶም ክገዝእዎም እዮም፤ ኣነውን ከም ግብሮምን ከም ስራሕ ኢዶምን ክኸፍሎም እየ።”
ነቲ ዘይሕለፍ ዱራውን ይቘርፅዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንሳቶም ክቝፀሩ ዘይከኣሉ፥ ካብ ኣንበጣ ዝበዝሑ እዮም።
“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።
“ንባቢሎን ከጥፍእዋ ህዝቢ ብወገን ሰሜን ተልዒሎምዋ ኣለዉ እሞ፥ ነታ ሃገር ከባድማ እዩ። ሰብ ኮነ እንስሳ ካብኣ ሃዲሞም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ኣብኣ ዝነብር ኣይህሉን እዩ።”
እንሆ፥ ኣነ ንባቢሎን ብወገን ሰሜን፥ ብዙሓት ብርቱዓት ህዝብታት ከተስአላ እየ፤ ንሳቶም ተሰሊፎም ክወግእዋ እዮም፤ ክስዕርዋ ኸዓ እዮም። ፍላፃታቶም ከምቲ ናይ ጅግና ተዋጋኢ ሓደ እኳ ኣይስሕትን።
ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ሓለዋ ኣጠንክሩ፤ ሓለውቲ ኣቑሙ፤ ኣድብዮም ዘጥቅዑ ኣዳልዉ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ህዝቢ ኽገብሮ ወሲንዎ ዘሎ ኽፍፅሞ እዩሞ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንባቢሎን ዝዋግኡ፥ ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖም ሰባት፥ ከም ዘምፅአላ ብርእሱ መሓለ። ንሳቶም ከዓ ኣብ ልዕለኺ ኽፍክሩ እዮም።
ኣህዛብን ነገስታት ሜዶንን፥ ኣሕሉቕን ኵላቶም መኳንንታን፥ ኵላ ግዝኣት እታ ሃገርን፥ ኣዳልዉላ።
ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ።
እዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣውጁ፤ ንውግእ ተዳለዉ፤ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፤ ኵሎም ተዋጋእቲ ቐሪቦም ይውፅኡ።
መለኸት ኣብ ከተማ እንትንፋሕኸ፥ ህዝብዶ ኣይድንግፅን እዩ? እግዚኣብሄር እንተይኣዘዘኸ፥ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ?
ኣነ ንዅላቶም ኣህዛብ ንውግእ ኣብ ኢየሩሳሌም ክእክቦም እየ። እታ ኸተማ ኽትተሓዝ እያ፤ ኣባይቲ ኽዝመቱ እዮም፤ ኣንስቲ እውን ክንወራ እየን። ፍርቂ ህዝቢ እታ ኸተማ ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ኻብታ ኸተማ ኣይውሰዱን እዮም።
ንሳቶም ምስ ከፍቶምን ድንኳናቶምን ይድይቡ ነበሩ፤ ምብዛሖምውን ከም ኣንበጣ ነበረ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቍፅሪ ዘይብሎም ነበሩ እሞ፥ ነታ ሃገር ከጥፍእዋ ይኣትዉ ነበሩ።