24 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ፅዮን ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ብዝፈፀምዎ ኽፍኣት፥ ኣነ ንባቢሎንን ኣብኣ ንዝነብሩ ከለዳውያንን ክፈድዮም እየ።
ኣህዛብ “ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ?” ምእንቲ ኸይብሉና፥ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍለጡ።
ኵልኻትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ፤ ካብኣቶም እዙይ ዝገበረ መን እዩ? እግዚኣብሄር እቲ ዝፈተዎ ፍቓዱ፥ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ክፍፅም እዩ፤ ቅልፅሙውን ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ክኸውን እዩ።
ነታ ፍትውቲ ዓመት እግዚኣብሄርን፥ ኣምላኽና ሕነ ዝፈድየላ መዓልትን፥ ክእውጅ፥ ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ።
እቲ ኣብ ከተማ ዝስማዕ ዘሎ ብርቱዕ ድምፂ፥ እቲ ኻብ ቤተ መቕደስ ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ፥ ድምፂ እቲ ንፀላእቱ ፍዳ ዝፈዲ እግዚኣብሄር እዩ።
ህዝባውን ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን ንኣኣቶም ክገዝእዎም እዮም፤ ኣነውን ከም ግብሮምን ከም ስራሕ ኢዶምን ክኸፍሎም እየ።”
ምድሪ ባቢሎን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፤ ኵላቶም ዘመትታ ኸዓ ብዘመተ ኽፀግቡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣብ ዙርያኣ ዄንኩም ‘ኢዳ ሃበት፤ ዕርዳ ወደቐ፤ ቅፅራ ፈረሰ፤ እዙይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ሕነኣ ፍደይዋ፥ ኢዳ ሂባ፥ ግምብታት ወዲቖም፥ ቅፅርታት ፈሪሶም’ ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ።
ፍላፃታት ሰሓሉ፤ ዋላቱውን ኣዳልዉ፤ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ከጥፍኣ ስለ ዝሓሰበ፥ ንነገስታት ሜዶን ኣለዓዓሎም፤ እዙይ ናይ እግዚኣብሄር በቀል እዩ፤ ስለ ቤተ መቕደሱውን ክብቀል እዩ።
ብኣኺ ጓሳን መጓሰኡን ክሰባብር እየ፤ ብኣኺ ሓረስታይን ኣብዑሩን ኽሰባብር እየ፤ ብኣኺ ገይረ ኣሕሉቕን፥ መኳንንትን ክሰባብር እየ።”
ኣብ ፅዮን እትነብር፦ “እቲ ኣባይን ኣብ ስጋይን ዝተገብረ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ይውረድ” ትብል። ኢየሩሳሌም ከዓ፥ “ደመይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ዘለዉ ይውረድ” ትብል።
ባቢሎን ካብ እስራኤል ተወጊኦም ዝሞቱ ኽወድቁ ከም ዝገበረት፥ ከምኡውን ቅቱላት ኵላ ምድሪ ኣብ ባቢሎን ከውድቑ እዮም።”
ኣብ ልዕሊ ባቢሎን መጥፍኢ ኽመፅእ እዩ፤ ጀጋኑኣ ኽማረኹ እዮም፤ ቀስትታቶም ክሰባበር እዩ፤ እግዚኣብሄር ንግፍዐኛ ዝብቀል፥ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ዝፈዲ ኣምላኽ እዩ።
ታው። ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ግብሪ ኣእዳዎም፥ መሊስካ ኽፈሎም።
“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”
ደም ነቢያትን ቅዱሳንን፥ ደም ናይቶም ኣብ ምድሪ ዝተሓርዱ ዅሎም፥ ኣብኣ ተረኺቡ እዩ እሞ።
ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፦ “ኦ ቕዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ? ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም? እናበሉ ጠርዑ”