23 ብኣኺ ጓሳን መጓሰኡን ክሰባብር እየ፤ ብኣኺ ሓረስታይን ኣብዑሩን ኽሰባብር እየ፤ ብኣኺ ገይረ ኣሕሉቕን፥ መኳንንትን ክሰባብር እየ።”
ብኣኺ ሰብኣይን ሰበይትን ክሰባብር እየ፤ ኣረጊትን ቈልዓን ድማ ኽሰባብር እየ፤ ብኣኺ ጐበዝን ጐርዞን ክሰባብር እየ፤
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ፅዮን ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ብዝፈፀምዎ ኽፍኣት፥ ኣነ ንባቢሎንን ኣብኣ ንዝነብሩ ከለዳውያንን ክፈድዮም እየ።
ኣነ ንመሳፍንታን ንጠቢባናን፥ ንኣሕሉቓን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣን፥ ከስክሮም እየ፤ ንዘለኣለምውን ደቂሶም ከም ዘይነቕሑ፥ ክገብር እየ፤ ይብል እቲ ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተብሃለ ንጉስ።