21 ብኣኺ ንፈረስን ንፈረሰኛን ክሰባብር እየ፤ ብኣኺ ሰረገላን ኣብኣ ዝቕመጥን ከዓ፥ ክሰባብር እየ፤
ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንውግእ ኸወግድ እዩ፤ ንቐስቲ ኽሰባብሮ፤ ንዅናት ክቐራስሞ፤ ንዋልታ ኸዓ ብሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።
ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፥ ካብ ተግሳፅካ ዝተልዓለ፥ ኵሎም ፈረሰኛታት ደቀሱ።
ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ንእግዚኣብሄር እዝ መዝሙር እዙይ ዘመሩሉ፦ “እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ስለ ዝበለ ኽዝምረሉ እየ፤ ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።
ማርያም ከዓ ኸምዙይ እናበለት ዘመረትሎም፦ “እግዚኣብሄር የመና ልዑል እዩ እሞ ዘምሩሉ፤ ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።”
ንሰረገላታት ፈርዖንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፤ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ሰጠሙ።
መሊሶም ከይትስኡ፥ ኵላቶም ብሓደ ኽወድቑ፥ ከም መብራህቲ ጥዋፍ ክጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ሰረገላታትን ኣፍራስን ዝነበርዎም፥ ጀጋኑን ሰራዊትን ብሓደ ኽወፁ ዝገበረ፥ ከምዙይ ይብል፦
ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን፥ ኣብ ማእኸላ ኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ህዝብን ኣሎ፤ ንሳቶምውን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሃብታን ንብረታን ኣሎ፤ ንወራር እውን ክኾኑ እዮም።
ኣብ ሰደቃይ ብኣፍራስን ብፈረሰኛታትን ብሓያላትን ብተዋጋእትን ክትፀግቡ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ ነፍራስካ ኻብ ማእኸልካ ኸጥፍእ፥ ንሰረገላታትካውን ክሰባብሮ እየ።
“እንሆ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ንሰረገላታት ኣንዲደ ኸትክኾ እየ፤ ንዀራዅር ኣናብስክውን ሰይፊ ኽበልዖም እዩ፤ ንዝዘመትክዮ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፤ ድምፂ ልኡኻትክውን ካብ ደጊም ኣይስማዕን።”
ዙፋን መንግስታት ክገላብጥ እየ፤ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ እየ፤ ሰረገላታትን ዝቕመጥዎምንውን ክገላብጥ እየ። ኣፍራስን ዝቕመጥወንን ከዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሰይፊ ሓዉ ተወቒዑ ክወድቕ እዩ።
ኣብ ጊዜ ውግእ ንፀላእቶም ኣብ መንገዲ ንዘሎ ጭቃ ኸም ዝረጋግፁ ሓያላት ክኾኑ እዮም፤ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ስለ ዝኾነ ኸዓ ኽዋግኡ እዮም፤ እቶም ፈረሰኛታትውን ከዋርዱ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንዅሉ ኣፍራስ ብድንጋፀ፥ ንዝቕመጥዎም ሰባት ድማ ብዕብዳን ክወቅዕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንቤት ይሁዳ ብዓይነይ ክሕሉ እየ፤ ኣዒንቲ ዅሎም ኣፍራስ ኣህዛብውን ከዕውር እየ።
ስጋ ነገስታትን፥ ስጋ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ስጋ ሓያላትን፥ ስጋ ኣፍራስን፥ ስጋ ናይቶም ዝተቐመጥዎምን፥ ስጋ ዅሎም ሰባትን፥ ጭዋታት ኮኑ ባሮት፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ንዕነ ብልዓ” እናበለ ፀውዐን።