Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 51:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ንባቢሎን ዝበታትንዋ፥ ንሃገራ ኸዓ ዘባድምዋ ጓኖት ክሰደላ እየ። በታ መዓት ዝወርደላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብዅሉ ወገን ክወርዋን ከባድምዋን እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 51:2
9 Referencias Cruzadas  

ክተዝርዎም ኢኻ፤ ንፋስ ከዓ ኽወስዶም፥ ንፋስ ኣውሎውን ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ ንስኻውን ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፥ ብናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኽትምካሕ ኢኻ።


ናይ እስራኤል ቅዱስ ተቤዛዊኹም እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምእንታኻትኩም ናብ ባቢሎን ልኢኸ እየ፤ በተን ዝምክሑለን መራኽብውን፥ ንዅሎም ባቢሎናውያን ሰጒጐ ኸህድሞም እየ።


ኣብ ኣፍ ደገ እታ ሃገር፥ ብመስአ ኣዝሮኹዎም፤ ንህዝበይ ውሉድ ከሊአ ኣጥፋእኹዎም፤ ካብ መንገዶም ከዓ ኣይተመለሱን።


“ንወርወርቲ ቐስቲ፥ ንዅላቶም ቀስቲ ዝግትሩ፥ ንባቢሎን ክወግእዋ ኣኽትትዎም። ሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩ፤ ከም ግብራውን ፍደይዋ። ንእግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ተዓብያ እያ እሞ፥ ከምቲ ዅሉ ዝገበረቶ ፍደይዋ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝገበረቶውን ፍደይዋ።


እቲ ትዕቢተኛ ኽዕንቀፍን ክወድቕን እዩ፤ ዘተስኦ ድማ የብሉን፤ ኣብ ውሽጢ ኸተማታቱ ኸዓ ሓዊ ኸባርዕ እየ፤ ኵሉ ኸባቢኡውን ክቃፀል እዩ።”


ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።


ዓውዱ ዘፅርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና፥ ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos