18 ንሳቶም ከንቱ ናይ ባጫ ኣቑሑ እዮም፤ ፍርዲ ኽመፆም እንተሎ ኽጠፍኡ እዮም።
“በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብፂ ኽሓልፍ እየ፤ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኽቐትል እየ። ንዅሎም ኣማልኽቲ ግብፂ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ።
ኵሎም ጣዖታትውን፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።
“ቤል ተዋረደ፤ ናባው ተሰባበረ፤ ጣዖታቶምውን ኣብ እንስሳን ከፍትን ተፅዓኑ። ነቲ ድኹም እንስሳ ኸቢድ ፆር ኮንዎ።
እምበኣር ኣነስ ፅድቅኽን ስራሕኽን ክነግር እየ፤ ግና ኣይጠቕመክን እዩ።
“ንስኻትኩምውን፥ ‘እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ፥ ካብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን፥ ክጠፍኡ እዮም’ ክትብልዎም ኢኹም።”
ኵሎም ሰባት ፍልጠት ስኢኖም ደንዘዙ፤ እቲ ብፍሲ ዝተገብረ ምስሊ ጣዖት፥ ሓሰትን ህይወት ዘይብሉን እዩ እሞ፥ ኣንጠረኛ ዝኾነ ዅሉ፥ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ሓፈረ፤
ከንቱን ክንዓቑ ዘለዎምን እዮም፤ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ኽጠፍኡ እዮም።
ኵላቶም ድንዙዛትን ዓያሹን እዮም፤ ከንቱ ናይ ጣዖታት ትምህርቲ፥ ዕንፀይቲ እዩ።
ህዝበይ ግና ንኣይ ረሲዑኒ፤ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ይዓጥን ኣሎ፤ ካብቲ ክኸደሉ ዝግብኦ መንገዲ ተሰናኺሉ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ መንገዲ ሓዲጉ፥ በቲ ዘይተፀርገ ቐይናን መንገዲ ይኸይድ ኣሎ።
ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ፥ ንኣሞን ኣምላኽ ቴብስ፥ ንግብፂ ኸዓ ንኣማልኽታን ንነገስታታን፥ ከምኡውን ነቶም ብፈርዖን ንጉስ ግብፂ ዝእመኑን ክቐፅዖም እየ።
ሞኣብ ብግብርኽን ብሃብትኽን ስለ እትተኣማመኒ፥ ንስኺውን ክትተሓዚ ኢኺ፤ ካሞሽውን ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።
“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።
መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኽባድምን ክዓኑን፥ ጣዖታትኩም ከዓ ኽስበርን ክጠፍእን፥ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽቝረፅ፥ ስራሕኹምውን ምእንቲ ኽድምሰስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ኹሉ እትነብሩሉ፥ እተን ከተማታት ክዓንዋ እየን፤ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከዓ ኽፈርስ እዩ።
እቶም ከንቱን ሓሰትን ዝሕልዉ፥ ምሕረቶም ይሓድጉ።
እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ዝተፈርሐ እዩ፤ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ድማ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ኵሉ ደሴታት ኣህዛብ ዘለዉ ከዓ፥ ኵሎም ሰባት ኣብ በቦታኦም ኮይኖም ንእኡ ኽሰግዱሉ እዮም።
ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።