17 ኵሉ ሰብ፥ ፍልጠት ስኢኑ ሰነፈ፤ ኵሎም ኣንጠረኛታት፥ በቶም ዝሰርሕዎም ይሓፍሩ፤ እቶም ብፍሲ ዝተሰርሑ ምስልታት፥ ሓሰትን ህይወት ዘይብሎምን እዮም እሞ።
ኣፍ ኣለዎም፤ ግና ኣይዛረቡን፤ ዓይኒ ኣለዎም፤ ግና ኣይሪኡን።
ኵሎም ዝሰርሑዎምን ዝእመንዎምን፥ ከምኣቶም ይኹኑ።
ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ለባም ሰብ እንተሊዩ ኽርኢ ኢሉ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ።
ኵሎም ሰባት ፍልጠት ስኢኖም ደንዘዙ፤ እቲ ብፍሲ ዝተገብረ ምስሊ ጣዖት፥ ሓሰትን ህይወት ዘይብሉን እዩ እሞ፥ ኣንጠረኛ ዝኾነ ዅሉ፥ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ሓፈረ፤
“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።