15 እግዚኣብሄር ብሓይሉ ንምድሪ ፈጠራ፤ ብጥበቡ ኸዓ ንዓለም መስረታ፤ ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዘርግሖም።
ንሱ በይኑ ንሰማያት ዘርግሖ፤ ኣብ ልዕሊ ማዕበል ባሕሪ ኸዓ ይኸይድ።
ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ፤ ንሰማይ ከም ድንኳን ዘርጋሕኻዮ፤
ኦ ጐይታ፥ ግብርካ የመና ዓብዪ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ብጥበብ ገበርካዮ፤ ምድሪ ኸዓ ብፍጡራትካ መልአት።
ኣዘዘ፤ ንፋስ ኣውሎ ኸዓ ተስአ፤ ማዕበልውን ልዕል ልዕል በለ።
ንሰማያት ብጥበብ ዝፈጠረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ መስረታ፤ ንሰማያት ከዓ ብምስትውዓል ኣፅንዖም።
ንሱ እዩ ልዕሊ ኽቢ ምድሪ ዝቕመጥ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኸም ኣንበጣ እዮም፤ ንሰማያት ከም መጋረጃ ይዝርግሖ፤ ንመንበሪ ድማ ኸም ድንኳን ይዝርግሖ።
ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢልኩም ረአዩ፤ ነዚኣቶም ዝፈጠሮም መን እዩ? ንሰራዊቶም ብቝፅሮም ዘውፅኦም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ዝፅውዖም ንሱ እዩ፤ ካብ ዕብየት ሓይሉን ካብ ብርትዐ ኽእለቱን ዝተልዓለ፥ ሓደ እኳ ኣይሰኣኖን።
እቲ ንሰማይ ዝፈጠሮን ዝዘርግሖን፥ ንምድርን ኣብ ውሽጣ ንዘሎን ዘፅንዐ፥ ነቲ ኣብኣተን ዘሎ ህዝቢ እስትንፋስ ዝሃበ፥ ነቶም ኣብኣተን ዝነብሩ ድማ መንፈስ ዝሃበ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ኣብ ማህፀን ዝሰርሐካ ዝተቤዘወካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እቲ ንዅሉ ዝፈጠርኩ፥ ንሰማያት በይነይ ዝዘርጋሕኹ፥ ንምድሪ ዘፅናዕኹ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ።
ንምድሪ ዝፈጠርኩ፥ ኣብኣ ዘሎ ሰብውን ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፤ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፤ ንዅሎም ሰራዊቶምውን ዝእዝዝ ኣነ እየ።
ኢደይ ንምድሪ ሰረተታ፤ የማነይተይውን ንሰማይ ዘርግሐት፤ እንትፅውዖም ከዓ ብሓደ ይቖሙ።
ነቲ ንሰማያት ዝዘርግሐ፥ ንምድሪ ኸዓ ዝመስረተ፥ ፈጣሪኻ እግዚኣብሄር ረሲዕኻ፤ ኵልሻዕ፥ ምሉእ መዓልቲ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ንምጥፋእኻ ዝተዳለወ ገፋዒ፥ ትፈርሕ ኣለኻ፤ ቍጥዓ እቲ ገፋዒኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?
ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባትን እንስሳን ብዓብዪ ሓይለይን ብዝተዘርግሐት ቅልፅመይን ዝፈጠርኩ፥ ኣነ እየ። ቅኑዕ ኮይኑ ንዝተርኣየኒ ድማ እህባ።
“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ እተዘርግሐት ቅልፅምካን፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን።
ስለ እስራኤል ዝተነግረ ፆር ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ንሰማያት ዝዘርገሐ፥ ንምድሪ ዝመስረተ፥ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጡ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።
ንሱ እቲ ዓለምን ምድርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ ኣምላኽ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ፤ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሃንፀ መቕደስ ኣይነብርን እዩ።
ዘመኻንይዎ ምእንቲ ኽስእኑስ፥ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ተርእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሄር፥ ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን፥ በቲ ዝፈጠሮ ፍጥረት ኣፀቢቑ ተግሃደ።
ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን።
“ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን፥ ንስኻ፥ ክብርን ምስጋናን ስልጣንን ክትቅበል ይግበአካ እዩ። ንዅሉ ንስኻ ፈጠርካዮ፤ ፍቓድካ ስለ ዝኾነ ድማ፥ ተፈጢሩን ህላዌ ረኺቡን ኣሎሞ” በሉ።