13 ኣቲ ብመዛግብቲ ዝበልፀግኪ፥ ኣብ ገምገም ዓበይቲ ማያት እትነብሪ ዘለኺ፥ እቲ መስፈሪ ስስዐኺ በፂሑ፥ ፍፃመኺውን ቀሪቡ እዩ።
ኣምላኽ ድማ ንኖህ “ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ፍፃሜ ኣብ ቅድመይ በፂሑ ኣሎ፤ ብሰንኮም ምድሪ ዓመፃ መሊኣ እያ እሞ፥ እንሆ ኣነ ንኣኣቶም ምስ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ።
ኣብ ጥቓ ሩባታት ባቢሎን ተቐመጥና፤ ንፅዮን ምስ ዘከርናያ ኸዓ በኸና።
ናይ እስራኤል ቅዱስ ተቤዛዊኹም እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምእንታኻትኩም ናብ ባቢሎን ልኢኸ እየ፤ በተን ዝምክሑለን መራኽብውን፥ ንዅሎም ባቢሎናውያን ሰጒጐ ኸህድሞም እየ።
ኣነ ብስምካ ዝፀዋዕኹኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ፥ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ኣብ ፀልማት ዘሎ መዝገብን፥ ኣብ ስውር ዝተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ።
ብሰንኪ ሓጢኣቱ ተቘጢአ ቐሰፍክዎ፤ ገፀይውን ብቝጥዐ ኻብኡ ኸወልኩ፤ ከምኡ ኾይኑውን ብመንገዲ ልቡ እናድሐርሐረ ኸደ።
እቲ ቕንዕና ብዘይብሉ፥ ሃብቲ ዝእክብ፥ ከምታ ንዘይ ጫጭሐቶ ጫቚት እትሓቍፍ ቆቛሕ እዩ፤ ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ ሃብቱ ይሓድጎ፤ ኣብ መወዳእታኡውን ዓሻ ይኸውን።
ንዅሎም ዝራብዓታ ሕረድዎም፤ ናብ ማሕረዲውን ኣውርድዎም። መዓልቶም፥ እታ ጊዜ መቕፃዕቶም በፂሓ እያ እሞ፥ ወይለኦም!”
“ኣቲ ትዕቢተኛ ባቢሎን፥ እታ ንኣኺ ዝቐፅዐላ ጊዜ መፂኣ እያ እሞ፥ እንሆ ኣብ ልዕሌኺ ተሲአ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን፥ ኣብ ማእኸላ ኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ህዝብን ኣሎ፤ ንሳቶምውን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሃብታን ንብረታን ኣሎ፤ ንወራር እውን ክኾኑ እዮም።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኽጣበቐልኪ፥ ሕነኺ ድማ ኽፈድየልኪ እየ። ንባሕሪ ባቢሎን ከንፅፎ፥ ንዒላታታ ኸዓ ኸንቅፆ እየ።
ዳዴ። ሰባት እግሪ እግርና ይከታተሉና ስለ ዝነበሩ፥ ብመንገድና ኽንከይድ ኣይከኣልናን፤ መወዳእታና ቐሪቡ፥ መዓልቲታትና ኣኺሉ እዩ፤ መወዳእታና በፂሑ እዩ።
ትርጕም እዘን ቃላት እዚኣተን ድማ ኸምዙይ እዩ፦ ‘ማኔ’ እግዚኣብሄር ንመዓልቲታት መንግስትኻ ፀብፂብወን እዩ፤ ንመንግስትኻ ኸዓ ወዲእዎ እዩ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ኣታ ኣሞፅ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ኸዓ “ፍረ ዝመልአ ኸፈር እርኢ ኣለኹ” በልኩ። እግዚኣብሄር ከዓ “ናይ ህዝበይ እስራኤል መወዳእታ በፂሑ እዩ። ድሕሪ ደጊም ሸለል ኢለ ኣይሓልፎምን እየ” በለኒ።
ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ብትግሃት ምእንቲ ኽትፅልዩ፥ ርእስኹም እትመልኩን ጥንቁቓትን ኩኑ።
ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።
ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤
“እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶም ዝረአኻዮም ማያት፥ ኣህዛብን ህዝብን ብዙሓት ሰባትን፥ ሃገራትን፥ ዝተፈላለዩ ቛንቋታትን እዮም።
እናበኸዩን እናሓዘኑንውን፥ ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ። ‘እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዋኦም ኵሎም፥ ብሃብታ ዝሃብተሙ፥ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ፥ ነዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!’ እናበሉ ኣእወዩ።