12 ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ሓለዋ ኣጠንክሩ፤ ሓለውቲ ኣቑሙ፤ ኣድብዮም ዘጥቅዑ ኣዳልዉ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ህዝቢ ኽገብሮ ወሲንዎ ዘሎ ኽፍፅሞ እዩሞ።
ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።
እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ነቶም ካብ እስራኤል ዝተሰደዱን፥ ነቶም ካብ ይሁዳውን ዝተበተኑን፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኽኣኻኽቦም እዩ።
ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባ፥ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ነቶም ሰራዊት ዓው ኢልኩም ኣድምፁሎም፤ ኣሕሉቕ ብበሪ ምእንቲ ኽኣትዉ ብኢድኩም ኣመልክቱሎም።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳባት ልቡ እንተይገበረን እንተይፈፀመን ኣይምለስን እዩ። ኣብ ዳሕረዎት መዓልቲታት ብዝበለፀ ኽተስተውዕልዎ ኢኹም።
ምድሪ ኽትበኪ፥ ሰማይውን ኣብ ላዕሊ ኽፅልምት እዩ፤ ኣነ ኢለ ኣለኹ፤ ወዲአዮውን እየ፤ ኣየናሕስየሉን፤ ካብኡ ኣይምለስን ድማ እየ።
“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ሃገር ባቢሎን ዝገብሮ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኣፅዋሩ ዘቕምጠሉ ቤት ከፈቶ፤ ንኣፅዋር ቍጥዓኡውን ኣውፅኦ።
ፍላፃታት ሰሓሉ፤ ዋላቱውን ኣዳልዉ፤ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ከጥፍኣ ስለ ዝሓሰበ፥ ንነገስታት ሜዶን ኣለዓዓሎም፤ እዙይ ናይ እግዚኣብሄር በቀል እዩ፤ ስለ ቤተ መቕደሱውን ክብቀል እዩ።
“ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ መለኸት ንፍሑ፤ ኣህዛብ ኣዳልዉላ፤ ንመንግስታት ኣራራትን ሚኒን ኣስከናዝን ኣኽትቱላ፤ ኣሕሉቕ ሽሙላ፤ ፀጓራት ኣንበጣ ዝመስሉ ኣፍራስ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኣውፅኡ።
እግዚኣብሄር እቲ ንሃገር ባቢሎን ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ ምድረ በዳ ኽገብራ እየ ኢሉ፥ ዝወሰነላ ይፍፅሞ ኣሎሞ፥ ምድሪ ትንቅጥቀጥ ራዕራዕውን ትብል ኣላ።
ፌ። እግዚኣብሄር ነቲ ዝሓሰቦ ገበሮ፤ ነቲ ቕድሚ ነዊሕ ጊዜ ተናጊርዎ ዝነበረ ቓሉውን ፈፀሞ፤ ብዘይ ርህራሀ ኣፍረሰኪ፤ ፀላኢ ብስቓይኪ ምእንቲ ኽሕጐስ፥ ቀርኒ ፀላእትኺ ልዕል ልዕል ኣበለ።
ንዅሎም ኣህዛብ ክእክቦም፥ ናብ ለሰ ኢዮሳፍጥ ከዓ ኸውርዶም እየ፤ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ህዝበይን፥ ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን፥ ነቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ዘበልዎምን፥ ንምድረይ ከዓ እተማቐልዋን ኣህዛብ፥ ኣብኡ ኽፋረዶም እየ።
እቲ ዘድቅቕ ናባኻ መፂኡካ ኣሎ፤ ነቲ ዕርድኻ ኣፅንዓዮ፤ ነቲ መንገዲ ሰልሎ፤ ሕቘኻ ኣፅንዕ፤ ንሓይልኻውን የመና ኣበርትዓዮ።
ናይ ጋይ ንጉስ እዙይ ምስ ረአየ፥ ንሱን ሰብ እታ ኸተማን ቀልጢፎም ኣንጊሆም ተስኡ እሞ፥ በቲ ዝተወሰነ ጊዜ ንእስራኤል ክወግእዎም ናብ ቅድሚ እቲ ዓረባ ወፁ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ሕቡእ ሓይሊ ኸም ዘሎ ግና ኣይፈለጡን ነበሩ።