10 “እግዚኣብሄር ንፅድቅና ኣውፂኡልና እዩ፤ ንዑናይ ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ፅዮን ንንገር።”
ብህይወት ክነብር እየ እምበር፥ ኣይመውትን፤ ንስራሕ እግዚኣብሄር ከዓ ኽነግር እየ።
ንፅድቅኻ ኸም ብርሃን፥ ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኸምፅአልካ እዩ።
ኵሎም ሰባትውን ፈርሑ፤ ግብሪ እግዚኣብሄር ድማ ተናገሩ፤ ስራሑውን ኣስተውዓሉ።
ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ ዅልኹም፥ እግዚኣብሄር ንነፍሰይ ዝገበረላ ኽነግረኩምስ ንዑ ስምዑኒ።
ኵሉ ምስጋናኡውን ኣብ በርታት ጓል ፅዮን ምእንቲ ኽናገር፤ ብምድሓንካውን እሕጐስ።
እዚኣቶም ድምፆም ኣልዒሎም፥ ዕልል ክብሉ እዮም፤ ብዛዕባ ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ፤
ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፤ ዝተቘፀረትሉ ወርሓት ከም ዝተፈፀመ፥ መከራኣ ከም ዝተወድአ፥ በደላ ኸም ዝተሓድገላ፥ ስለ ዅሉ ሓጢኣታ ድማ፥ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ፥ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክመፁ እዮም፤ ኣኽሊል ዘለኣለማዊ ደስታ ኸዓ፥ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም፤ ሓዘንን ብኽያትንውን ካብኣቶም ክሃድም እዩ።
ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን፥ ንናይ ቤተ መቕደስን ሕነ፥ ኣብ ፅዮን ክነግሩ ሃዲሞም ካብ ሃገር ባቢሎን ዘምለጡ፥ ድምፂ ሰባት ተሰሚዑ እዩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ዝመደበላ ምኽርን፥ ንሃገር ከለዳውያን ዝሓሰበላ ሓሳብን፥ እንታይ ከም ዝኾነ ስምዑ፤ ኣናእሽተይ መጓሰኦም እንተይተረፉ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ንመውፈሪኦም ፈፂሙ ኸጥፍኦ እዩ።