6 “ህዝበይ፥ ከም ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኾኑ፤ ጓሶቶም ኣጋገይዎም፤ ንሳቶም ኣብ እምባታት ኰለል ከም ዝብሉ ገበርዎም። ካብ እምባ ናብ ኰረብታታት ከርተት በሉ፤ መሕደሪኦምውን ረስዑ።
እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፥ ኦ ነፍሰይ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ።
ከም ዘጠፍአ በጊዕ ኰለል እብል ኣለኹ፤ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኹንሞ፥ ንባርያኻ ድለዮ።
ኣብ ዝለምለመ ሰውሒ የሕድረኒ፤ ናብ ማይ ዕረፍቲ ይመርሐኒ።
ንስኻ መሕብእየይ ኢኻ፤ ካብ መከራ ትሕልወኒ፤ ካብ ዝኸበቡኒ ኽተድሕነኒ ሓጐሰይ ኢኻ።
ኦ ጐይታ፥ ንዅሉ ውሉድ ወለዶ መፀግዒ ኾንካና።
ኣብ ፀግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፥ ኣብ ውሽጢ ፅላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይነብር።
ብዕራይ ንዋናኡ፥ ኣድጊውን ናይ ጐይታኡ መብልዒ ኸፍቲ ይፈልጥ፤ እስራኤል ግና ኣይፈለጠን፤ ህዝበይውን ኣየስተውዓለን።
እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ብምምላስን ብምዕራፍን ክትድሕኑ ኢኹም፤ ብህድኣትን ብምትእምማንን፥ ሓይሊ ክኾነልኩም እዩ፤” ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
ሰብ ድማ ኻብ ንፋስ ከም መኸወሊ፥ ካብ ንፋስ ኣውሎ ኸም መፀግዒ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፥ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ከም ፅላል ዓብዪ ኰዅሒ ክኸውን እዩ።
ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
እቶም ጓሶት ሰኒፎም፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይጠየቑን፤ ስለዙይ እውን ኣይሰለጦምን፤ እቲ መጓሰ ኸዓ ፋሕ ኢሉ ኣሎ።
እግዚኣብሄር ፀልማት እንተይሰደደ፥ ኣብቲ ዝፀልመተ እምባ ኸዓ፥ ኣእጋርኩም እንተይተሰናኸለ፥ ነታ እትፅበይዋ ብርሃን ናብ ፅላሎት ሞትን፥ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትን እንተይለወጣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክብሪ ሃብዎ።
ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፤ መእሰሪኺ በተኽኩ፤ ንስኺ ግና ኣየገልግልን በልኪ፤ ኣብ ኵሉ በሪኽ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋምን፥ ክተመንዝሪ ደቀስኪ።
ጐርዞ ሽልማታ፥ መርዓት ከዓ ኽዳን መርዓኣዶ ትርስዕ እያ? ህዝበይ ግና ቝፅሪ ንዘይብሉ መዓልቲታት ረስዐኒ።
ነተን መጓሰይ ዝኾና፥ “ኣባጊዕ ንዝብትኑን ንዘጥፍኡን ጓሶት ወይለኦም!” ይብል እግዚኣብሄር።
ካብቶም ኰረብታታት ረድኤት ምፅባይ፥ ብሓቂ ኸንቱ እዩ፤ እምባታት፥ ጥቕሚ ዘይብሉ ድምፂ ደኣ ሃቡና፤ ብሓቂ ምድሓን እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝርከብ።
ኢዮስያስ ነጊሱ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “እዛ ኸዳዕ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ? ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ከይዳ ኣመንዘረት።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዛ ሰብን እንስሳን ዘይብላ ስፍራን፥ ኣብ ኵለን ከተማታታን ከም ብሓድሽ፥ መሕደሪ እቶም መጓሰታቶም ዘስፍሩ ጓሶት ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እስራኤል ኣናብስ ዘሳጐጕዋ፥ እተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር ሰላሊዑ በልዓ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣዕፅምታ ቘረጣጠመ።
ንእስራኤልውን ናብ መውፈሪኡ ኽመልሶ እየ፤ ኣብ እምባ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን፥ ክዋፈር እዩ፤ ሰብነቱውን ኣብ እምባ ኤፍሬምን፥ ኣብ ገለዓድን ክትፀግብ እያ።
“ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ኣሎ፥ ኢሎም ንህዝበይ ኣስሒቶም እዮም፤ ንሱ መንደቕ እንተ ነደቐ እንሆ ንሳቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ይመርግዎ።
ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ ኸውፍረን እየ፤ ደምበአን ከዓ ኣብቲ ነዋሕቲ እምባታት እስራኤል ክኸውን እዩ፤ ኣብኡ ኣብ ፅቡቕ ደምበ ኽዔማ፥ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክጓሰያ እየን።
ኣነ ባዕለይ ነባጊዐይ ከውፍረን፥ ባዕለይ ድማ ኸስፍረን እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
“ዝጠፍአት ክደሊ፥ እተባረረት ክመልስ፥ እተሰብረት ክፅግን፥ ዝደኸመት ከዓ ኸበርትዕ፥ ነታ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ኸጥፍእ፥ ብፍትሒውን ክጓስየን እየ።
ንሱ ግና “እንትርፊ ናብቶም ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን” ኢሉ መለሰ።
ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ግፉዓትን ዝተበታተኑን ነበሩ እሞ ራህርሀሎም።
ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፥ ከርተት ትብሉ ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፥ ሓላዊ ነፍስኹምን፥ ተመሊስኩም ኣለኹም።