44 “እንሆ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ናብቲ ፅኑዕ እምባ ኸም ኣንበሳ ይድይብ ኣሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ኻብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ ዝሓረኽዎ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ክሸሞ እየ። ዝመዓራረየኒ መን እዩ? ቘፀራ ዝገብረለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል ጓሳኸ መን እዩ?
ንእግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መን ይመዓራረዮ? ካብ ደቂ ኣማልኽትኸ መን ይመስሎ?
ኦ ጐይታ ኣምላኽ ሰራዊት፥ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ሓያል ኢኻ፤ ሓቂውን ይኸበካ።
ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፥ ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሐ፥ ገባሪ ተኣምራት፥ መን ኣሎ?
ንእግዚኣብሄር ብመን ክትምስልዎ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመዓራርይዎ ኢኹም?”
ምስ መን ደኣ ኽተመዓራርዩኒ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመሳስሉኒ ኢኹም? ይብል እቲ ቕዱስ።
“ካብ ሰሜን ንሓደ ኣተሳእኽዎ፤ መፀውን፤ እቲ ኻብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፅእ፥ ስመይ ዝፅውዕ እዩ፤ ከምቲ ሰራሒ መሬት ንጭቃ ዝረግፆ፥ ንሱ ኸዓ ነሕሉቕ ከም መሬት ይረግፆም።
“ኦ እስራኤል፥ ኣምላኽኩም ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ምእንቲ ኽተስተውዕሉን ክትፈልጡን ንስኻትኩም መሰኻኽረይን፥ ዝሓረኹኹም ባሮተይን ኢኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ድሕሪ ሕዚውን ኣይህሉን እዩ።”
ካብ ምብራቕ መንጣሊ ኣሞራ፥ ካብ ርሑቕ ሃገርውን፥ ምኽረይ ዝገብር ሰብ ክፅውዕ እየ፤ ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮውን እየ።
ነቲ ናይ ጥንቲ፥ ናይ ቀደም ዘክሩ፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የለን፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ዝመስለኒውን የለን።
ኵልኻትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ፤ ካብኣቶም እዙይ ዝገበረ መን እዩ? እግዚኣብሄር እቲ ዝፈተዎ ፍቓዱ፥ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ክፍፅም እዩ፤ ቅልፅሙውን ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምስ ኣጋር ተቐዳዲምካ ኻብ ኣድከሙኻ፥ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ፥ ክትቀዳደም ኢኻ? ኣብ ሰላም ሃገር ካብ ተኣመንካ፥ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣ፥ እንታይ ክትገብር ኢኻ?
ካብ ጭካነ ሰይፍን ካብ ናህሪ ቝጥዓኡን ዝተልዓለ፥ ሃገሮም ባዲማ እያሞ፤ ከም ኣንበሳ ነታ መሕደሪኡ ሓደጋ።
መራሒኦም ካብኣቶም ክኸውን እዩ፤ ገዛኢኦም ከዓ ኻብ ማእኸሎም ክትስእ እዩ፤ ናባይ ከቕርቦ እየ፤ ንሱውን ክቐርበኒ እዩ፤ እንተ ዘይኮይኑ ናባይ ደፊሩ ዝቐርብ መን እዩ? ይብል እግዚኣብሄር።
ኣብ ዙርያኣ ዄንኩም ‘ኢዳ ሃበት፤ ዕርዳ ወደቐ፤ ቅፅራ ፈረሰ፤ እዙይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ሕነኣ ፍደይዋ፥ ኢዳ ሂባ፥ ግምብታት ወዲቖም፥ ቅፅርታት ፈሪሶም’ ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ።
ክብሪ ጓሶት ተዋሪዱ እዩሞ፥ ድምፂ ኣውያቶም ተሰምዐ፤ ትዕቢት ዮርዳኖስ ተዋሪዱ እዩሞ፥ ድምፂ ምጕዛም ኣንበሳ ተሰምዐ።
ንቆሬን ነቶም ሰዓብቱን ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ፅባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ኸፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸዓ ናብኡ ኸቕርቦ እዩ።