34 ተቤዛዊኦም ግና ብርቱዕ እዩ፤ ስሙ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ንምድሮም ዕረፍቲ ንምሃብ ተጊሁ ኽማጐተሎም፥ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ግና ዕረፍቲ ክኸልኦም እዩ።”
ሽዑ ኣብ ሰማይ፥ ኣብቲ ዘለኻዮ፥ ንፀሎቶምን ንምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍረደሎም። ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ድማ በደሎም ይቕረ በለሎም።
ግና እቲ ቤዛ ዝኾነኒ፥ ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣለኹ፤ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽቐውም እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ነቶም ዝገፍዑኒ ግፍዓዮም፤ ነቶም ዝዋግኡኒውን ተዋግኣዮም።
ኦ ኣምላኽ፥ ፍረደለይ፤ ካብ ፅድቂ ኻብ ዝረሓቑ ህዝቢ እውን ክርክረይ ተኸራኸር፤ ካብ ጠባሪን ዓማፅን ሰብ ኣድሕነኒ።
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
እግዚኣብሄር ነቲ ፍርዶም ክፋረደሎም እዩሞ፤ ነቶም ዝገፈፍዎም ከዓ ህይወቶም ክገፎም እዩሞ።
ተቤዛዊኦም እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ እዩ እሞ፤ ባዕሉ ኽንዳኣቶም ክፋረደካ እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣታ ሓሰኻ ያእቆብ፥ ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ኽሕግዘኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ተቤዛዊኹም ድማ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
ናይ እስራኤል ቅዱስ ተቤዛዊኹም እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምእንታኻትኩም ናብ ባቢሎን ልኢኸ እየ፤ በተን ዝምክሑለን መራኽብውን፥ ንዅሎም ባቢሎናውያን ሰጒጐ ኸህድሞም እየ።
ንጉስ እስራኤልን፥ ቤዛኡ ዝኾነ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ቀዳማይን ዳሕረዋይን ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።
ስም እቲ ተቤዛዊና፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
እግዚኣብሄር ግና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምርኮ እቶም ሓያላት ክውሰዱ እዮም፤ ምሩኻት እቶም ጨካናት ከዓ ኸምልጡ እዮም። ንኣኺ ዝፃረሩ ኽፃረሮም እየ፤ ንደቅኺውን ከድሕኖም እየ።
እግዚኣብሄር ጐይታኺ፥ እቲ ምእንቲ ህዝቡ ዝማጐት ኣምላኽኪ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ነቲ ብቝጥዓይ ዝሃብኩኺ፥ ሰንደልደል ዘብል ፅዋዕ ቍጥዓይ፥ ካብ ኢድኪ ወሲደዮ ኣለኹ፤ ድሕሪ ሕዚ ኣይትሰትይዮን ኢኺ፤
ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ተቤዛዊኺ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፤ ንሱ ኣምላኽ ኵላ ምድሪ ይበሃል።
እቲ ግደ ያእቆብ ግና ኸምዚኣቶም ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፤ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ካብ ኢድ ክፉኣት ከናግፈካ፥ ካብ ኢድ ሓያላት ከዓ ኽቢዘወካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ደቆም ከም ቀደም ክኾኑ እዮም፤ ማሕበሮም ድማ ኣብ ቅድመይ፥ ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ንዅሎም ገፋዕቶም ክቐፅዖም እየ።
እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተቤዚውዎ እዩ፤ ካብ ኢድ እቲ ኻብኡ ዝብርትዕ ከዓ፥ ኣድሒንዎ እዩ።
እታ ፀሓይ ብመዓልቲ ኽተብርህ፥ ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ብለይቲ ኸብርሁ ዝሓገገ፥ እቲ ንባሕሪ እውን ማዕበሉ ኽሃምም ዘናውፅ፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል፦
ንስኻ ነእላፋት ምሕረት እትገብር፥ ግና ብበደል ኣቦታት ድማ ንውሉዶም እትቐፅዕ ኣምላኽ ኢኻ። ንስኻ ዓቢይን ሓያልን ኣምላኽ ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ሞኣብን ከተማታታን ዓንየን እየን፤ እቶም ሕሩያት ኣጕባዛ ናብ ማሕረዲ ወረዱ፤ ይብል ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነ ንጉስ።
ግደ ያእቆብ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፥ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኽጣበቐልኪ፥ ሕነኺ ድማ ኽፈድየልኪ እየ። ንባሕሪ ባቢሎን ከንፅፎ፥ ንዒላታታ ኸዓ ኸንቅፆ እየ።
ሬስ። “ኦ ጐይታ፥ ጠበቓይ ኮንካ፤ ንህይወተይ ከዓ ተቤዘኻያ።
እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምፁ ይህብ፤ ሰፈሩ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥ እቲ ንቓሉ ዝፍፅም ንሱ ሓያል እዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን፥ የመና እተፍርሕን እያ፤ መንከ ይኽእላ?
ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ ኣቕለልዊን ሕረስን፤ ሕዝስ ካብ ከተማ ወፂእኺ ኣብ ሜዳ ኽትቅመጢ ኢኺ፤ ናብ ባቢሎንውን ክትበፅሒ ኢኺ፤ ኣብኡ እግዚኣብሄር ካብ ፀላእትኺ ኽቤዘወኪ እዩ።
ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፥ ንሱ ኽሳዕ ዝማጐተለይ፥ ፍትሒውን ክሳዕ ዘውፅአለይ፥ ንቝጥዓኡ ኽዕገስ እየ። ናብ ብርሃን ከውፅአኒ እዩ፤ ፅድቁውን ክርኢ እየ።
ስለዙይ እቲ ዝፈርዳ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓያል እዩ እሞ፥ እቲ መዓታ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ኽወርዳ እዩ፤ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን ክመፃ እዩ፤ ብሓንቲ መዓልቲ ኽመፃ እዩ፤ ብሓዊውን ክትቃፀል እያ።