26 ብዅሉ ወገን መፂእኹም ውረርዋ፤ ማዕኸናታ ኽፈቱ፤ ነቲ ዝዘመትኩምዎ ኸም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዎ። ፈፂምኩም ድማ ኣጥፍእዋ፤ ሓንቲ እኳ ኣይተትርፉላ።
ንእኡ ናብቲ ዝንጉዕ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፤ ናብቲ ዘቘጥዐኒ ትውልዲውን ክልእኾ እየ፤ ንሱ ድማ ኽዘምቶምን ክብዝብዞምን ከም ጭቃ ኣደባባይ ክረግፆምን እዩ” በለ።
ንባቢሎን ዓዘቕቲ ኽገብራ እየ፤ መሕደሪ ቅንፍዝውን ክትከውን እያ። ብመዀስተር ጥፍኣት ገይረ ኽዅስትራ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ክትዓርፍ እያ እሞ፥ ከምቲ ሓሰር ኣብ ጭቃ ዝርገፅ፥ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኽርገፅ እዩ።
ኣነ ብስምካ ዝፀዋዕኹኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ፥ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ኣብ ፀልማት ዘሎ መዝገብን፥ ኣብ ስውር ዝተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ።
ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኣህዛብ ድማ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ብፋፃ ኽፅውዖም እዩ፤ እንሆ እናጐየዩ ተቐላጢፎም ክመፁ እዮም።
ምድሪ ባቢሎን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፤ ኵላቶም ዘመትታ ኸዓ ብዘመተ ኽፀግቡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ካብ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ዅላ ኽትባድም እያ እምበር፥ ድሕሪዙይ ኣብኣ ዝነብር የለን። ኵሉ ብባቢሎን ዝሓልፍ ከዓ በቲ ዝወረዳ መቕሰፍቲ ኽግረምን ከላግፀላን እዩ።
ኣብ ዙርያኣ ዄንኩም ‘ኢዳ ሃበት፤ ዕርዳ ወደቐ፤ ቅፅራ ፈረሰ፤ እዙይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ሕነኣ ፍደይዋ፥ ኢዳ ሂባ፥ ግምብታት ወዲቖም፥ ቅፅርታት ፈሪሶም’ ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ።
ናይ ኵሉ ምድሪ መዶሻ ኸመይ ተሰብረት! ባቢሎንከ ኸመይ ደቐቐት! ኣብ ማእኸል ህዝቢ ኸዓ ኸመይ ዝባደመት ኮነት።
“እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ህዝቢ ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ፥ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ንውግእ ይለዓሉ ኣለዉ።
ኣነ ንቤል ኣብ ባቢሎን ክቐፅዖ፥ ነቲ ዝወሓጦውን ከትፍኦ እየ፤ ድሕሪዙይ ኣህዛብ ናብኡ ኣይውሕዙን እዮም። ቅፅሪ ባቢሎንውን ክወድቕ እዩ።
ባቢሎን፥ በታ ኣነ ዘውርደላ መዓት ከምዙይ ኮይና ኽትሰጥም፥ መሊሳ ድማ ኣይትትስእን እያ፤ ህዝባውን ክደክም እዩ፤ ኢልካ ተዛረብ።” ቃል ኤርሚያስ ኣብዙይ ይውዳእ።
ሽዑ እታ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” ዝበለት ፀላኢተይ ክትሪኦን፥ ሕፍረትውን ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ክሪኣኣ እየን፤ ሕዚ ኸም ጭቃ መንገዲ ኽትርገፅ እያ።
ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፤ ናይ ሰማይ ኣቦኻትኩም ደኣ ይምግቦም እምበር፥ ኣይዘርኡ፥ ኣይዓፅዱ፥ ኣብ ማዕኸንውን ኣይእክቡን እዮም። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻብኣቶም የመና ኣይትበልፁን?
እቲ መልኣኽ ከዓ፥ ማዕፂዱ ናብ ምድሪ ሰዲዱ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወይኒ ኣከቦሞ፥ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር፥ ዓብዪ መፅመቝ ቝጥዓ ደርበዮ።
ካብ ኣፉ ኸዓ፥ ነህዛብ ዝወቕዐሉ፥ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ቝጥዓ መፅመቝ ወይኒ ኸዓ፥ ንሱ ኽረግፆ እዩ።