Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 50:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 “ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 50:2
34 Referencias Cruzadas  

ኵሎም ሰባትውን ፈርሑ፤ ግብሪ እግዚኣብሄር ድማ ተናገሩ፤ ስራሑውን ኣስተውዓሉ።


ክብሩ ንኣህዛብ፥ ተኣምራቱውን ንዅሎም ወገናት ንገሩ።


ኵሎም ንዝተቐረፀ ምስልታት ዝሰግዱን፥ ብጣዖታቶም ዝምክሑን ይሕፈሩ፤ ኵልኹም መላእኽቱ ስገዱሉ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ከምዙይ ክትብሉ ኢኹም፦ “ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ስሙውን ፀውዑ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ግብርታቱ ኣፍልጡ፤ ስሙ ልዑል ከም ዝኾነ ንገሩ።


ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባ፥ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ነቶም ሰራዊት ዓው ኢልኩም ኣድምፁሎም፤ ኣሕሉቕ ብበሪ ምእንቲ ኽኣትዉ ብኢድኩም ኣመልክቱሎም።


እንሆ ኣብ ኣፍራስ ዝተቐመጡ በብኽልተ ኾይኖም ይመፁ ኣለዉ ኢሉ ተደሃየ። እቲ ሓላዋይ ድማ መሊሱ “ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! ኵሉ ምስልታት ጣዖታታ ኣብ ምድሪ ተሰባበረ” በለ።


ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርበይዎም፤ ንሳቶም ስራሕ ኢድ ሰብ፥ ዕንፀይትን እምንን እዮም እምበር፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን፤ ስለዙይ ኣጥፍእዎም።


በታ ጊዜ እቲኣ መሮዳክ፥ ወዲ ባልዳን ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፅ በረኸትን ሰደደሉ።


“ቤል ተዋረደ፤ ናባው ተሰባበረ፤ ጣዖታቶምውን ኣብ እንስሳን ከፍትን ተፅዓኑ። ነቲ ድኹም እንስሳ ኸቢድ ፆር ኮንዎ።


ካብ ባቢሎን ውፁ፤ ካብ ከለዳውያን ህደሙ፤ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተቤዚውዎ እዩ፤ እናበልኩም ብድምፂ ዕልልታ ኣውጁ፤ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን ንገሩ።


ነዙይ ሰሚዕኻዮ ኣለኻ፤ ነዝ ዅሉ ረአዮ፤ ንስኻትኩምውን እትናገርዎዶ ኣይኮንኩምን? ዝተሰወሩን ዘይፈለጥካዮም ሓደስቲ ነገራትን፥ ካብ ሎሚ ጀሚረ ኣርእየካ ኣለኹ።


“ንስኻትኩምውን፥ ‘እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ፥ ካብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን፥ ክጠፍኡ እዮም’ ክትብልዎም ኢኹም።”


ከንቱን ክንዓቑ ዘለዎምን እዮም፤ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ኽጠፍኡ እዮም።


ኣቱም ህዝብታት፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ነተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ከዓ፥ እቲ ንእስራኤል ዝበተነ ባዕሉ ኽእክቦ እዩ፤ ከምቲ ጓሳ ንመጓሰኡ ዝሕሉ፥ ክሕልዎ እዩ ኢልኩም ኣውርዩለን።


እንሆ ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝኸብብ ሰራዊት ይመፅእ ኣሎ፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ይፍክሩለን ኣለዉ ኢልኩም ንኣህዛብ ንገርዎም፥ ንኢየሩሳሌምውን ኣፍልጥዋ።


ካብ ሰሜን መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ከምፅእ እየሞ፥ “ናብ ፅዮን ኣቢሉ ዘመልክት ሰንደቕ ዕላማ” ትኸሉ፤ መፀግዒ ድለዩ፤ ኣይትደንጕዩ።


ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰይፊ ኽበልዖም እዩሞ፥ ኣብ ግብፂ ተናገሩ፤ ኣብ ሚግዶልውን ኣስምዑ፤ ኣብ ሜምፎስን ጣፍናስን ነዙይ ኣውጁ፤ ኣብ ቦታኻትኩም ቁሙ፤ ተዳለዉውን።


ባቢሎን ክትወድቕ እንተላ ምድሪ ኽተንቀጥቅጥ እያ፤ ኣውያታውን ኣብ ማእኸል ህዝብታት ክጋዋሕ እዩ።”


ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ሓለዋ ኣጠንክሩ፤ ሓለውቲ ኣቑሙ፤ ኣድብዮም ዘጥቅዑ ኣዳልዉ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ህዝቢ ኽገብሮ ወሲንዎ ዘሎ ኽፍፅሞ እዩሞ።


“ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ መለኸት ንፍሑ፤ ኣህዛብ ኣዳልዉላ፤ ንመንግስታት ኣራራትን ሚኒን ኣስከናዝን ኣኽትቱላ፤ ኣሕሉቕ ሽሙላ፤ ፀጓራት ኣንበጣ ዝመስሉ ኣፍራስ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኣውፅኡ።


ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዅሉ ወገን ከም ዝተትሓዘት ከውርዩሉ፥ እቲ ሓደ ጐያዪ ናብቲ ሓደ ጐያዪ፥ እቲ ሓደ ልኡኽ ከዓ ናብቲ ሓደ ልኡኽ ክራኸብ ይጐዪ።


ኣነ ንቤል ኣብ ባቢሎን ክቐፅዖ፥ ነቲ ዝወሓጦውን ከትፍኦ እየ፤ ድሕሪዙይ ኣህዛብ ናብኡ ኣይውሕዙን እዮም። ቅፅሪ ባቢሎንውን ክወድቕ እዩ።


ስለዙይ፥ እንሆ፥ ነቲ ቕሩፅ ጣዖታት ባቢሎን ዝቐፅዐላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ ኵላ እታ ምድሪ ኸዓ ኽትሓፍር እያ፤ ኵሎም እቶም ዝተሓርዱ ኣብ ማእኸላ ኽወድቁ እዮም።


ስለዙይ እንሆ፥ ኣነ ነቲ ቕሩፅ ጣዖታት ባቢሎን ዝቐፅዐለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ እቶም ኣብ ምድሪ ዝተወግኡ ዅሎም ክገዓሩ እዮም።


ንሳ ብድንገት ወዲቓ ተሰባበረት። ብኸዩላ፤ ምናልባሽ እንተ ሓወየት ከዓ ንቝስላ ፈውሲ ኣምፅኡላ።


ዮርማሮዴክ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፥ ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ምሕረት ገበረሉ፤ ካብ ቤት ማእሰርቲውን ኣውፅኦ። እዙይ፥ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ፤ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ኾነ።


“ኣቱም ኣህዛብ ስምዑ፤ ኣቱም ማሕበር፥ እቲ ዝመፆም ዘሎ ፍለጡ።


እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣቑሑ ኸፊሉ፥ ንናቡከደነፆር ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ንሱ ኸዓ ነቶም ዝማረኾም፥ ናብ ሰናዖር ናብ ቤት ኣማልኽቱ ወሰዶም፤ ነቲ ኣቑሑውን፥ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኣማልኽቱ ኣእተዎ።


ናቡከደነፆር ከዓ “ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፥ ነቲ ኣነ ዘቖምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩም ሓቂ ድዩ?


እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ዝተፈርሐ እዩ፤ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ድማ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ኵሉ ደሴታት ኣህዛብ ዘለዉ ከዓ፥ ኵሎም ሰባት ኣብ በቦታኦም ኮይኖም ንእኡ ኽሰግዱሉ እዮም።


ንሱ ኸዓ፦ “እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! መሕደሪ ኣጋንንትን፥ ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፥ ሰፈር ኵሉ ርኹስን፥ ሰፈር ዘፀይፍ ኵሉ ኣዕዋፍን ኮይና፤


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos