17 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እስራኤል ኣናብስ ዘሳጐጕዋ፥ እተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር ሰላሊዑ በልዓ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣዕፅምታ ቘረጣጠመ።
ፎሓ ንጉስ ኣሶር ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ወፀ። ምናሔም ከዓ ነታ መንግስቱ ኣብ ኢዱ ንኸፅንዐሉ ኢድ ፎሓ ምስኡ ንክኸውን፥ ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር ሃቦ።
ብዘመን ፋቁሔ ንጉስ እስራኤል፥ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክወርር መፀ። ንኸተማታት ዒዮንን ኣቤልቤትማዓካን ኢያኖክን ቃዴስን ሓፆርን ሓዘን። ከምኡውን ንምድሪ ገለዓድን ንምድሪ ገሊላን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ሓዘን። ንህዝበን ማሪኹ ኸዓ ናብ ኣሶር ወሰዶም።
ብዘመን ኢዮኣቄም፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን መፀ። ኢዮኣቄም ድማ ሰለስተ ዓመት ተገዝአሉ። ግና መሊሱ ዓመፀ።
ኢኮንያን ነጊሱ እንተሎ፥ ሰራዊት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ደዪቦም ነታ ኸተማ ኸበብዋ።
ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ብታሽዐይቲ ዓመቱ፤ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምስ ኵሉ ሰራዊቱ መፂኡ ንኢየሩሳሌም ከበባ። ብዙርያኣ ድማ ዕርዲ ነደቑላ።
ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ከዓ ናብኡ መፀ፤ ግና ኽንዲ ዝድግፎ ተቓወሞን ኣጨነቖን።
ሽዑ እግዚኣብሄር ናይ ንጉስ ኣሶር ኣሕሉቕ ሰራዊት ሰዲዱ ንይሁዳ ኸም ዝወርዋ ገበረ። ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሓዝዎ፤ ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
ማያት ዲሞን ብደም ተመሊአን ኣለዋ፤ ኣብ ልዕሊ ዲሞን ድማ፥ ካብዙይ ዝገደደ ስቓይ ከምፅአሎም እየ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሃድሙ ሰብ ሞኣብን፥ ኣብ ልዕሊ ተረፍ እታ ሃገርን ኣንበሳ ኽሰድድ እየ።
ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ተቘጢዐ ነይረ፤ ንርስተይውን ተፀየፍኩ፤ ናብ ኢድኪ ድማ ኣሕሊፈ ሃብክዎም፤ ንስኺውን ኣይመሓርክዮምን፤ እኳ ደኣ ኣብቶም ኣረጋውያን፥ ኣርዑትኪ የመና ኣኽበድኪ።
ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ውሒጦምዎን ወዲኦምዎን፥ ንመንበሪኡውን ኣዕንዮምዎ እዮም እሞ፥ ቍጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ ዓሌትን ኣፍስሶ።
ሽደናት ኣናብስ ጓዘሙሉ፤ ድምፆምውን ኣስምዑ፤ ንምድሩ ኸዓ ኣዕነዉ፤ ከተማታቱውን ተቓፀላ፤ ዝነብረለንውን የለን።
ድሕሪዙይ ከዓ ንሴዴቅያስ፥ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ንባሮቱን፥ ነቶም ካብ መቕሰፍትን ካብ ውግእን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ናብ ኢድ እቶም ፀላእቶምን፥ ናብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ኸዓ ብብልሒ ሰይፊ ኽወቕዖም እዩ፤ ኣይርህርሀሎምን ኣይሓዝነሎምን ኣይምሕሮምንውን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣንበሳ ካብ ፀምፀም ዱር ወፂኡ ኣሎ፤ ንኣህዛብ ዝዘምትውን ተሲኡ ኣሎ፤ ንምድርኺ ባድማ ኽገብር ድማ ካብ ስፍራኡ ወፂኡ ኣሎ፤ ከተማታትኪ ኸዓ ሓደ እኳ ዝነብረለን ክሳዕ ዝሰኣን ክዓንዋ እየን።
እንሆ፥ ካብኣ ብህፁፅ ከባርሮም እየሞ፥ ኣብ ልዕሊ ፅኑዕ እምባ፥ ኣብ ውሽጢ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ከም ኣንበሳ ኽድይብ እዩ። ነቲ ዝተሓርየ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ምሳይ ክመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ጊዜ ዝውስነለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳኸ መን እዩ?
ንሳቶም ንዝራእትኹምን እንጀራኹምን ክበልዕዎ፤ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ክበልዕዎም፤ ነባጊዕኹምን ከብትኹምን ክበልዕወን፥ ንወይንኹምን በለስኩምን ክበልዕዎ እዮም። ነተን እትተኣማመኑለን ዕሩዳት ከተማታትኩም፥ ብሰይፊ ኸፍርስወን እዮም።”
በደሎም መጠን የብሉን፤ ጥልመቶም ከዓ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፤ ስለዙይ ኣንበሳ ካብ ዱር ወፂኡ ይሰብሮም፤ ተዅላ በረኻ ድማ የጥፍኦም፤ ነብሪ ኣብ ከተማታቶም የድቢ፤ ውፅእ ንዝበለውን ይምንጥሎ።
“ህዝበይ፥ ከም ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኾኑ፤ ጓሶቶም ኣጋገይዎም፤ ንሳቶም ኣብ እምባታት ኰለል ከም ዝብሉ ገበርዎም። ካብ እምባ ናብ ኰረብታታት ከርተት በሉ፤ መሕደሪኦምውን ረስዑ።
ሓቢሮም ከም ኣናብስ ክጓዝሙ፥ ከም ኰራዅር ኣናብስ ከዓ ሕኒን ክብሉ እዮም።
ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዓሰርተ ሓደ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ኣሚጣል እትብሃል ጓል ኤርሚያስ በዓል ሊብና ነበረት።
ከምቲ ጓሳ በታ እተን መጓሰኡ ፋሕ ዝብላላ መዓልቲ፥ ኣብ ማእኸል ኣባጊዑ ፀኒሑ ዝደልየን፥ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዐይ ክደልየን፥ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደመናን ፀልማትን ፋሕ ኢለናኦ ካብ ዝነበራ ቦታ ኸዓ ኸናግፈን እየ።
እቲ ንጉስ ከዓ፥ ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ምስ ደቆምን ምስ ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርብይዎም ኣዘዘ። ገና ኣብ ፍርቂ ጕድጓድ እንተይበፅሑ ድማ፥ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፤ ኵሉ ኣዕፅምቶምውን ሰባበሩ።
ንዅሎም ኣህዛብ ክእክቦም፥ ናብ ለሰ ኢዮሳፍጥ ከዓ ኸውርዶም እየ፤ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ህዝበይን፥ ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን፥ ነቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ዘበልዎምን፥ ንምድረይ ከዓ እተማቐልዋን ኣህዛብ፥ ኣብኡ ኽፋረዶም እየ።
ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፥ ከርተት ትብሉ ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፥ ሓላዊ ነፍስኹምን፥ ተመሊስኩም ኣለኹም።