Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 50:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ዘርኢ ዝዘርእ ኮነ፥ ዓፂድ ዝዓፅድ፥ ኣብ ምድሪ ባቢሎን ከም ዘይነብር ግበሩ። ኵሉ ኣብኣ ዝነብር ዝነበረ፥ ዘጥፍእ ሰይፊ ፈሪሑ፥ ናብ ህዝቡ ኽሃድም እዩ።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 50:16
7 Referencias Cruzadas  

ከም እትህደን መይዳቝን፥ ጓሳ ኸም ዘይብለን መጓሰን ኮይኖም፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቦም ክምለሱ፥ ነናብ ሃገሮምውን ክሃድሙ እዮም።


ካብ ጭካነ ሰይፍን ካብ ናህሪ ቝጥዓኡን ዝተልዓለ፥ ሃገሮም ባዲማ እያሞ፤ ከም ኣንበሳ ነታ መሕደሪኡ ሓደጋ።


ንሱ ንብዙሓት ኣሰነኻኸሎም፤ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ድማ ወደቐ፤ ተስኡ! ኻብ ገፅ እቲ ዘጨንቕ ሰይፊ ፀላኢ ንህደም፤ ናብ ህዝብናን ናብታ ዝተወለድናላ ሃገርናን ንመለስ ተበሃሃሉ።


ብኣኺ ጓሳን መጓሰኡን ክሰባብር እየ፤ ብኣኺ ሓረስታይን ኣብዑሩን ኽሰባብር እየ፤ ብኣኺ ገይረ ኣሕሉቕን፥ መኳንንትን ክሰባብር እየ።”


‘ንባቢሎን ፈወስናያ፤ ንሳ ግና ኣይተፈወሰትን። ፍርዳ ኽሳዕ ሰማይ ስለ ዝበፅሐ፥ ክሳዕ ደመናውን ልዕል ስለ ዝበለ፥ ነፍሲ ወከፍና ነናብ ሃገርና ንመለስ’ በሉ።”


እቶት ገራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፥ እቶም ሓረስቶት፥ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሓፈሩ፤ እቶም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ዋይ ዋይ በሉ።


ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል፦ “ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ክቍዘም፥ ኣብ ኵሉ መንገድታት ከዓ፥ ዋይ ዋይ ክበሃል እዩ። ንሓረስቶት ናብ ብኽያት፥ ነቶም መልቀስ ዝኽእሉ ናብ ዋይታ ኽፅውዑ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos