13 ካብ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ዅላ ኽትባድም እያ እምበር፥ ድሕሪዙይ ኣብኣ ዝነብር የለን። ኵሉ ብባቢሎን ዝሓልፍ ከዓ በቲ ዝወረዳ መቕሰፍቲ ኽግረምን ከላግፀላን እዩ።
ኵሉ ሰብ ብኢዱ የጣቕዐሉ፤ እናፋፀዩ ኸዓ ኻብ ቦታኡ የውፅእዎ።”
ንምድሮም ንመደነቕን፥ ንዘለኣለም መሳለቕን ገበርዋ፤ ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ይግረም፤ ብምግራምውን ርእሱ ይንቕንቕ።
ነዛ ኸተማ እዚኣ ንመገረምን መሰክሕን ክገብራ እየ። ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ከዓ ስቓያ ሪኡ ኸስካሕኽሕን ከላግፅን እዩ።
እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ።
እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ንሳቶም ክዋግእዋ፥ ክሕዝዋ፥ ብሓዊ ድማ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ክገብረን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ኤዶምያስ መገረሚት ክትከውን እያ፤ ነፍሲ ወከፍ ብኣኣ ዝሓልፍ ድማ ኽግረም እዩ፤ ስለ እቲ ዅሉ ዝወረዳ መቕሰፍቲ እውን ክስክሐላን ክፋፅየላን እዩ።
“ንባቢሎን ከጥፍእዋ ህዝቢ ብወገን ሰሜን ተልዒሎምዋ ኣለዉ እሞ፥ ነታ ሃገር ከባድማ እዩ። ሰብ ኮነ እንስሳ ካብኣ ሃዲሞም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ኣብኣ ዝነብር ኣይህሉን እዩ።”
ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽትኮን ኢኻ እምበር፥ ንመኣዝን ወይ ንመሰረት ዝኸውን እምኒ ኻባኻ ኸቶ ኣይውሰድን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር እቲ ንሃገር ባቢሎን ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ ምድረ በዳ ኽገብራ እየ ኢሉ፥ ዝወሰነላ ይፍፅሞ ኣሎሞ፥ ምድሪ ትንቅጥቀጥ ራዕራዕውን ትብል ኣላ።
ባቢሎን ድማ ዅምራ እምንን ሰፈር ወኻሩን፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ መሰክሕን መላገፅን ክትከውን እያ።
ከምዙይውን በል፦ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣ፥ ሰብ ወይ እንስሳ፥ ሓደ እኳ ኸም ዘይነብረላ ጌርካ ኸም እተጥፍኣ፥ ንሓዋሩውን ምድረ በዳ ኸም እትገብራ ተዛሪብካ ኢኻ።’
እቶም ነጋዶ ህዝብታት ክፋፅዩልኪ እዮም፤ መሰክሒ ዄንኪ ንዘለኣለም ኣይትህልውን ኢኺ።”
ነታ ሃዲኣ እትነብርን ብልባ ኸዓ “ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ሓደ እኳ የለን” እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዚኣ እያ፤ ክንድዙይ ዝባደመትን መሕደሪ ኣራዊትን ከመይ ኮነት! ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ኢዱ እናዋጣወጠ ይፋፅየላ።
ኣነ ቑሩብ ተቘጢዐ ነበርኩ፤ ንሳቶም ግና ንኽፍኣት ስለ ዝሓገዙ፥ በቶም ሃዲኦም ዝነብሩ ኣህዛብ የመና ተቘጢዐ ኣለኹ።
“ብድሕሬኹም ዝለዓሉ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፁ ባዕዳንን ከዓ ናይዛ ሃገር እዚኣ መዓትን እቲ እግዚኣብሄር ዘምፅአላ ሕማምን ክሪኡ እዮም።