10 ምድሪ ባቢሎን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፤ ኵላቶም ዘመትታ ኸዓ ብዘመተ ኽፀግቡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣንበጣ ኸም ዝእከብ፥ ዝዘመትኩምዎ ክእከብ እዩ፤ ኵብኵብታ ኸም ዝዘልል፥ ሰባት ክዘልሉ እዮም።
ኣነ ብስምካ ዝፀዋዕኹኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ፥ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ኣብ ፀልማት ዘሎ መዝገብን፥ ኣብ ስውር ዝተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ።
እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ።
ኵሎም ህዝብታት ከዓ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ክግዝእዎም እዮም። እዙይ ድማ ሃገሩ እትወድቀሉ ጊዜ ኽሳዕ ዝበፅሕ እዩ። ሽዑ ሓያላት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ንእኡ ኸግዝእዎ እዮም።
ብዅሉ ወገን መፂእኹም ውረርዋ፤ ማዕኸናታ ኽፈቱ፤ ነቲ ዝዘመትኩምዎ ኸም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዎ። ፈፂምኩም ድማ ኣጥፍእዋ፤ ሓንቲ እኳ ኣይተትርፉላ።
ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን፥ ኣብ ማእኸላ ኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ህዝብን ኣሎ፤ ንሳቶምውን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሃብታን ንብረታን ኣሎ፤ ንወራር እውን ክኾኑ እዮም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ፅዮን ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ብዝፈፀምዎ ኽፍኣት፥ ኣነ ንባቢሎንን ኣብኣ ንዝነብሩ ከለዳውያንን ክፈድዮም እየ።
ኣብ ፅዮን እትነብር፦ “እቲ ኣባይን ኣብ ስጋይን ዝተገብረ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ይውረድ” ትብል። ኢየሩሳሌም ከዓ፥ “ደመይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ዘለዉ ይውረድ” ትብል።
መንፈስ ድማ ኣልዓለኒ፤ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ከዓ ብራእይ ናብ ምድሪ ከለዳውያን፥ ናብቶም ምሩኻት ወሰደኒ፤ እቲ ዝሪኦ ዝነበርኩ ራእይ ድማ ኻብ ቅድመይ ተሰወረ።
ንደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ በታ ምድርን በታ ኸተማን ብቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኵላቶምን፥ ስለ ዝፈፀምካዮ ግፍዒ፥ ንስኻ ንብዙሓት ኣህዛብ ዘሚትካ ኢኻሞ፥ ኵሎም እቶም ካብ ኣህዛብ ዝተረፉ ክዘምቱኻ እዮም።
እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ እቲ ኣራዊትን፥ ነታ ኣመንዝራ ኽፀልእዋ እዮም፤ ከባድምዋ፥ ጥራሓ ኸውፅእዋ፥ ስጋኣ ኽበልዑ፥ ብሓዊውን ከንድድዋ እዮም።