Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 50:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኸተማ ባቢሎንን ብዛዕባ ሃገር ከለዳውያንን ብነቢይ ኤርሚያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ፦

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 50:1
22 Referencias Cruzadas  

መጀመርታ ግዝኣቱ ድማ፥ እተን ኣብ ሃገር ሰናዖር ዝርከባ፥ ባቢሎን፥ ኦሬ፥ ኣርካድ፥ ካልኔ፥ ዝበሃላ እየን።


ታራ ድማ ንወዱ ኣብራምን፥ ንሎጥ ወዲ ሓራን ወዲ ወዱን፥ ንሶራ ሰበይቲ ኣብራም ወዱን ወሰዶም። ካብ ኡር ምድሪ ከለዳውያን ድማ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸዱ ብሓደ ወፁ። ኣብ ካራን ምስ በፅሑ፥ ኣብኣ ተቐመጡ።


እግዚኣብሄር ቋንቋ ዅላ ምድሪ ስለ ዝደባለቐ፥ እታ ኸተማ “ባቢሎን” ተብሃለት። ካብኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ናብ ኵላ ምድሪ በተኖም።


“መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፤ ቃሉ ኸዓ ኣብ ኣንደበተይ ነበረ።


ንጉስ ኣሶር ድማ ኻብ ባቢሎን፥ ካብ ኩታ፥ ካብ ዓዋ፥ ካብ ሓማት፥ ካብ ሴፈርዋይም ሰባት ኣምፂኡ ኽንዲ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣቐመጦም። ንሰማርያ ኸዓ ወረስዋ፤ ኣብ ከተማታታውን ተቐመጡ።


ንሱውን ገና ኽናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ፥ “ከለዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ኾይኖም፥ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ኣብፂሖም ዘመትወን፤ ነቶም ኣገልገልቲውን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።


ሽዑ ንንጉስ ባቢሎን ከምዙይ ኢልካ ኽትምስል ኢኻ፦ “እቲ ጨቋኒ ኸመይ ዓረፈ! ጭቘናኡኸ ኸመይ ኣብቅዐ!


እንሆ ንሃገር ባቢሎናውያን ተመልከቱ፤ እቲ ህዝቡ ኸንቱ ኾይኑ ኣሎ። ኣሶራውያን መንበሪ ኣራዊት ምድረ በዳ ገበርዎ። ዝኸቡሉ ቕፅሮም ሰርሑ፤ ኣዳራሻ ኣፍረሱ፤ ዑናውን ገበርዋ።


እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ።


ኵሎም ህዝብታት ከዓ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ክግዝእዎም እዮም። እዙይ ድማ ሃገሩ እትወድቀሉ ጊዜ ኽሳዕ ዝበፅሕ እዩ። ሽዑ ሓያላት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ንእኡ ኸግዝእዎ እዮም።


ንጉስ ይሁዳ ኢዮኣቄም ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር መፂኡ ንኢየሩሳሌም ከበባ።


ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወፂኡ፥ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ካብኡ፥ ናብዛ ሕዚ እትነብሩላ ዘለኹም ምድሪ ኣውፅኦ።


ትንቢት፥ ቅዱሳን ሰባት እዮም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ እምበር፥ ፈፂሙ ብድሌት ሰብ ዝመፀ ኣይኮነን።


ሓደ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ፥ “እታ ኻብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ከም ዝሰትዩ ዝገበረቶም፥ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ!” እናበለ ተኸተሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos