29 “በዝ ነገር እዙይዶ ኣነ ኣይቐፅዖምን እየ? ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ከምዙይ ዝበለ ህዝብዶ ኽብቀሎ ኣይግብአንን እዩ?
ልሙፃት ኣእማን ግደኺ እዮም፤ ንሳቶም ብፅሒትኪ እዮም፤ ንኣኣቶም መስዋእቲ መስተ ኣፍሰስክሎም፤ መስዋእቲ ብልዒውን ኣቕረብክሎም። እሞኸ በዝ ነገር እዙይዶ ኣይቍጣዕን?
ኣብ እምባታት ዕጣን ዓጠኑ፤ ኣብ ኰረብታታትውን ንኣይ ፀረፉኒ። ስለዙይ በቲ ዝገበርዎ ኽቐፅዖም፥ ኣብ ሕቝፎምውን ክሰፍረሎም እየ።”
ብሓቂ በዝ ነገር እዙይዶ ኽቐፅዖም ኣይግብአንን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ከምዙይ ዘመሰለ ህዝብኸ፥ ሕነ ኽፈድዮዶ ኣይግብአንን እዩ?”
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣእዋማ ቝረፁ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ ብቕፅሪ ኽበብዋ። ብዅሉ ወገና ዓመፅን ግፍዕን ኣለዋ እሞ፥ እትቕፃዕ ከተማ እያ።
በዝ ነገር እዙይዶ ኽቐፅዖም ኣይግብአንን እዩ? ነፍሰይከ ኣብ ልዕሊ ኸምዙይ ዝበለ ህዝቢ፥ ክትብቀልዶ ኣይግባእን? ይብል እግዚኣብሄር።”
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እንሆ እቲ ንስኻትኩም ዝኸላእኽምዎም፥ ዓስቢ እቶም ገራሁኹም ዝዓፀዱ ሰራሕተኛታት የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓፃዶውን፥ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት በፂሑ ኣሎ።