26 “ኣብ መንጎ ህዝበይ ክፉኣት ሰባት ኣለዉ፤ ከምቶም ኣዕዋፍ ክሕዙ መፈንጠር ኣፃዊዶም ዘድብዩ፥ መፈንጠር ዘርጊሖም ሰብ ይሕዙ ኣለዉ።
ንኣኣቶም ንባዕላቶም ክፉእ ነገር ኣፅንዑ፤ ሕቡእ መፃወድያ ኸፃውዱ ተማኸሩ፤ “መንከ ይሪአና” ድማ ይብሉ።
ንሳቶም፦ “ምሳና ነዓ፤ ኣድቢና ደም ነፍስስ፤ ንንፁህውን ብዘይ ምኽንያት፥ መፃወድያ ነፃውደሉ እንተ በሉ፥
ኣቕሓ ህሩፍ ክፍእቲ እያ፤ ፅጉም ቅኑዕ ነገር ኣብ ዝናገረሉ፥ ንሱ ብቓል ሓሰት፥ ነቲ ድኻ ንምጥፋእ፥ ክፉእ ሓሳብ ይሓስብ።
“ብሓይሊ ዓው በል፤ ኣይትቘጥብ፤ ድምፅኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፤ ንህዝበይ በደሎም፥ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።
ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፥ ክንዲ ሰናይዶ ኽፉእ ይፍደ እዩ? ኣነ ቝጥዓኻ ኻብኣቶም ክተርሕቕ ኢለ ኣብ ቅድሜኻ ቖይመ ኸም ዝለመንኩ ዘክር።
ክሕዙኒ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ፥ ነእጋረይ ከዓ መፈንጠር ኣፃዊዶምለይ እዮም እሞ፥ ብድንገት ዝዘምትዎም ጭፍራ ምስ ኣምፃእኻሎም፥ ኣብ ገዛኦም ኣውያት ይሰማዕ።
“ህዝበይ ዓያሹ እዮም እሞ ንኣይ ኣይፈልጡንን፤ ድንዙዛት ደቂ እዮም፤ ምስትውዓልውን የብሎምን። ክፉእ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፤ ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።”
ልሳኖም ዝተስሓለ ፍላፃ እዩ፤ ሓሰትውን ይዛረብ፤ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ብኣፉ ሰላም ይዛረቦ፤ ብልቡ ግና ይፀናተዎ።
ብሓቂ ኣብ ቤት ሓጥእ፥ እቲ መዝገብ ሓጢኣትን፥ እቲ ፅዩፍ ናይ ሓሶት መስፈሪን ገና ይህሉዶ ይኾን?
ሕያዋይ ሰብ ካብ ምድሪ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ማእኸል ሰባትውን ቕኑዕ የለን። ኵላቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ንሓዉ ብመርበብ ንምሓዝ ይከታተሎ።
ከምኡውን እቶም ብፆት ስምኦን ዝነበሩ፥ ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ዮሃንስን ተገረሙ። ኢየሱስ ከዓ ንስምኦን “ኣይትፍራሕ፤ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ኣስጋሪ ሰብ ክትከውን ኢኻ” በሎ።