24 ብልቦም ከዓ፥ በብጊዜኡ ዝናም ፅድያን ቀውዕን ንዝህበና፥ ምዱባት ሰሙናት ቀውዒውን ዝሰርዐልና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሓዮ ኣይበሉን።
ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፥ ዘርእን ዓፂድን፥ ዛሕልን ሙቐትን፥ ሓጋይን ክረምትን፥ መዓልትን ለይትን፥ ከቶ ኣየቋርፅን እዩ” በለ።
ሓደ ኻብቶም ኣብ ገለዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቴስቢያዊ ንኣክኣብ “በዘን ዓመታት፥ እዚኣተን እንትርፊ ብቓል ኣፈይ፥ ኣውሊ ኾነ ዝናም ከም ዘይኸውን፥ በቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝቖምኩ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ” በሎ።
ንዝናም ከም ዝፅበዩ ብትዕግስቲ ተፀበዩ፤ ዝናም ፅብሓት ከም ዝደለዩ ኣፎም ከፈቱ።
ንደመናታት ሰማይ ብጥበቡ ኽቘፅሮም ዝኽእል መን እዩ? ነሕርብቲ ሰማይከ ኸም ዘፍስሱ ዝገብሮም መን እዩ?
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝናም የዝንም፤ ኣብ ልዕሊ ገራሁውን ማይ ይልእኽ።
ንሰማያት ብደመና የጐልብብ፤ ንምድሪ እውን ዝናብ የዳሉ፤ ኣብ እምባታት ድማ ሳዕሪ የብቍል፤ ለምለምውን ንደቂ ሰባት ጥቕሚ ይህብ።
ንምድሪ ተመልከትካያ፤ ኣርወኻያውን፤ ንሃብታውን የመና ኣብዛሕኻዮ፤ ፈለግ እግዚኣብሄር ማይ ዝመልአ እዩ፤ ከምኡ ተዳልዎ ኢኻሞ፥ ምግቦም ትህቦም።
ገፅካ ኸዊልካልና፥ ብሰንኪ ሓጢኣትና ኸዓ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፥ ስምካ ዝፅውዕን፥ ንኣኻ ኽሕዝ ዝትስእን፥ ሓደ እኳ የለን።
ድምፁ ምስ ኣስምዐ፥ ማያት ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ይእከቡ፤ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፤ ብጊዜ ዝናም መባርቕ ይገብር፤ ንንፋስ እውን ካብ መዛግቡ የውፅኦ።
ካብ ማእኸል እቶም ጣዖታት ኣህዛብ፥ ዝናም ከዝንም ዝኽእል ኣሎዶ? ሰማይከ ባዕሉ ዝናም ከውርድዶ ይኽእል እዩ? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ እዝ ዅሉ እትገብር ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ተስፋና ኣባኻ ንገብር ኣለና።
ክፍኣትኪ ኽግስፀኪ፥ ጥልመትኪ ኸዓ ኽዘልፈኪ እዩ። ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን፥ ንኣይ ዘይምፍራሕን ክንደይ ክፉእን መሪርን ከም ዝኾነ ፍለጢ፤ ኣስተውዕሊውን! ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ብሰንኪ እዙይ ሰርቢ ዝናም ተኸልከለ፥ ዝናም ፅብሓትውን ኣይዘነመን። ንስኺ ግና ገፅ ኣመንዝራ ስለ ዘለኪ ምሕፋር ኣበኺ።
ንኣይ ክትፈርሑኒዶ ኣይግብአኩምን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድመይ ዘይትድንግፁ፥ ብሑፃ ገይረ ብናይ ዘለኣለም ትእዛዝ ንኸይሓልፍ ንባሕሪ ደረት ገበርኩሉ፤ ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዐ ኣይሓልፎን፤ እንተ ሃመመውን ከቶ ኣይሳገሮን።
ናብ ፅዮን ዝወስድ መንገዲ ኽጥይቑ እዮም፤ ገፆም ናብኣ ኣቕኒዖም ከዓ ክኸዱ እዮም፤ ዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ፥ ምስ እግዚኣብሄር ንእቶ ኽብሉ እዮም።
ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።
“ንዑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ፤ ንሱ ሰይሩና እዩ፤ ንሱውን ክፍውሰና እዩ። ንሱ ወቒዑና እዩ፤ ንሱውን ክፅግነና እዩ።
ኣቱም ደቂ ፅዮን፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ዝናም ፅድያ ብፅድቂ ይህበኩም ኣሎሞ፥ ከም ቀደሙ ዝናም ፅድያን ፅብሓትን፥ የውርደልኩም ኣሎሞ፥ ተሓጐሱ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥ ደስ ይበልኩም፤ ንእኡውን ዕልል በሉ።
“ቀውዒ እንተይበፅሐ ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፤ ኣብታ ኻልእ ከተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብ ሓደ ወገን ዘነመ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን ግና ኣይዘነመን፤ ስለዙይውን ሃጐጐ።
ብጊዜ ዳሕረዋይ ዝናም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፤ እግዚኣብሄር መብረቅ ይገብር፤ ዝናምን ንነፍሲ ወከፍ ድማ ሳዕሪ ኣብ ግራት ክህብ እዩ።
ምስዙይ ከዓ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ፥ ካብ ሰማይ ዝናምን ወርሓት ፍርያትን እናሃበ፥ ብምግብን ብሓጐስን ንልብና እናመልአ፥ ህያው ከም ዝኾነ፥ ንባዕሉ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።”
“ንምድሪኹም ዝናም ብጊዜኡ ምእንቲ ኽህብ እሞ ዅሉ ተግባር ኢድኩም ድማ ኽባርኽ፥ እግዚኣብሄር ንሰማይ፥ ነቲ ፅቡቕ መዝገቡ፥ ክኸፍተልኩም እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ክተለቅሑ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኻብ ዝኾነ ኣይትልቅሑን ኢኹም።
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ክሳዕ ምፅኣት ጐይታ ተዓገሱ። ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይፅበዮ፤ ነቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን ዝናብ ክሳዕ ዝረክብውን፥ ከም ዝዕገስ ረአዩ።
እዚኣቶም፥ በተን ዝንበዩለን መዓልቲታት፥ ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም፥ ንሰማይ ክዓፅውዎ ስልጣን ኣለዎም። ንማያት ናብ ደም ክልውጥዎ፥ ንምድሪ ኸዓ፥ ብዝደለይዎ ዓይነት ክቐስፍዋ፥ ስልጣን ኣለዎም።