20 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነዙይ ኣብ ያእቆብ ኣውርዩ፤ ኣብ ይሁዳ ኸዓ ንገሩ፤ ከምዙይውን በሉ።
ኣብታ ሃገር መለኸት ንፍሑ ኢልኩም፥ ኣብ ይሁዳ ተናገሩ፥ ኣብ ኢየሩሳሌምውን ኣውጁ፤ ዓው ኢልኩም ድማ፥ “ተኣከቡ እሞ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ” ኢልኩም ንገሩ።
‘እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ምንታይ እዩ እዝ ዅሉ ዝገበረና?’ ኢሎም እንተ ጠየቑ፥ ንስኻ ‘ከምቲ ንስኻትኩም ንኣይ ዝሓደግኩምኒ እሞ፥ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ዝተገዛእኹም፥ ከምኡ ድማ ኣብ ዘይሃገርኩም፥ ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም’ ኢልካ መልሰሎም።”
ኣቱም ልቢ ዘይብሎም፥ ዓይኒ እንተለዎም ዘይሪኡ፥ እዝኒ እንተለዎም ድማ ዘይሰምዑ ሰነፋት ህዝቢ፥ ነዙይ ስምዑ።