19 ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ምንታይ እዩ እዝ ዅሉ ዝገበረና?’ ኢሎም እንተ ጠየቑ፥ ንስኻ ‘ከምቲ ንስኻትኩም ንኣይ ዝሓደግኩምኒ እሞ፥ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ዝተገዛእኹም፥ ከምኡ ድማ ኣብ ዘይሃገርኩም፥ ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም’ ኢልካ መልሰሎም።”
ብልብኺ ድማ “ስለ ምንታይ እዙይ ወረደኒ?” እንተ በልኪ፥ ብሰንኪ ብዝሒ ሓጢኣትኪ እዩ፥ ዘፈር ክዳንኪ ዝተቐልዐ ዳንጋኺውን ዝተገፈፈ።
ኣነ፥ ካብዝ ሃገር እዙይ ናብቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዘይትፈልጥዎ ሃገር ክሰጐኩም እየ። ኣይምሕረኩምን እየ። ኣብኡውን ለይትን ቀትርን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉ ኢኹም።”
ንሓዊ ቝጥዓይ ኣቃፂልኩምዎስ ንሓዋሩ ኽነድድ እዩ እሞ፥ ብሰንኪ በደልኪ ነቲ ዝሃብኩኺ ርስቲ ኽትስእኒዮ ኢኺ፤ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ፀላእትኺ ባርያ ኽገብረኪ እየ።”
ብሓቂ እስራኤል ባርያ ድዩ? ወይ ኣብ ቤት ዝተወለደ ባርያ ደኾን እዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ንምርኮ ተወፈየ?
‘ኣነ ንፅህቲ እየ፤ ብርግፅ ቍጥዓኡ ኻባይ ተመሊሱ እዩ’ ትብሊ ኣለኺ። ኣነ ግና እንሆ ‘ሓጢኣት የብለይን’ ስለ ዝበልኪ፥ ብፍርዲ ክኸሰኪ እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ግና በተን መዓልቲታት እቲኣተን እውን፥ ፈፂመ ኣየጥፍአኩምን እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነዙይ ኣብ ያእቆብ ኣውርዩ፤ ኣብ ይሁዳ ኸዓ ንገሩ፤ ከምዙይውን በሉ።
ኣነ ድማ “እታ ሃገር፥ ሓደ እኳ ብኣኣ ዝሓልፍ ዘየለ ኾይና፥ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍአትስ ስለ ምንታይ እዩ? እቲ ነዙይ ዘስተውዕሎ ጥበበኛኸ መን እዩ? ነዙይ ክገልፆኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረበ?” በልኩ።
እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ ይብል፦ “እዝ ዅሉ ዝኾነ፥ ነቲ ኣብ ቅድሚኣቶም ዘንበርክዎ ሕገይ ሓደጉ። ቃለይ ኣይሰምዑን ብእኡውን ኣይተመላለሱን።
ባሮት ይገዝኡና ኣለዉ፤ ካብ ኢዶም ዘናግፈና ኸዓ የለን።