13 እቶም ነቢያት ከም ንፋስ ክኾኑ እዮም፤ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልዎ ቓልውን የብሎምን። እቲ ዝብልዎ ናብ ርእሶም ይውረድ” በሉ።
ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዝነድድ፥ ፈውሲውን ክሳዕ ዝሰኣን፥ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት እግዚኣብሄር ኣላገፁሎም፤ ነቲ ቓሉ ኸዓ ነዓቕዎ፤ ነቶም ነቢያቱውን ኣዋረድዎም።
ተስፋ ናይ ዝቘረፀ ሰብ ዘረባ ኸም ንፋስ እዩሞ፥ ንቓለይ ክትግስፁዶ ትሓስቡ ኣለኹም?
“ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እዙይ እትናገር? ቃል ኣፍካኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ንፋስ ኣውሎ ዝኸውን?
ስለ ውህብቶኡ ብሓሰት ዝጅሃር ሰብ፥ ከምቲ ዝናም ዘይብሉ ደመናን ንፋስን እዩ።
እንሆ ዅላቶም ከንቱ እዮም፤ ተግባሮም ከዓ ብላሽ እዩ፤ እቶም መኺኾም ዝተሰርሑ ጣዖታቶምውን፥ ንፋስን ከንቱን እዮም።”
ሽዑ ኣነ “ኣየ! ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ እቶም ነቢያት እኮ እዮም ‘እግዚኣብሄር ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ሓቀኛ ሰላም ክህብ እየ ስለ ዝበለ፥ ውግእ ኣይትሪኡን፤ ጥሜትውን ኣይመፀኩምን እዩ’ ዝብልዎም ዘለዉ” በልኩ።
ብዛዕባ እዞም ኣነ እግዚኣብሄር እንተይለኣኽክዎም ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ውግእን ጥሜትን ኣይህሉን እዩ’ ኢሎም ብስመይ ዝንበዩ ነቢያት፥ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ብውግእን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም።
ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።
ኵሎም ጓሶትኪ ብንፋስ ክጓሰዩ እዮም፤ ፈተውትኺውን ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ ሽዑ ብሰንኪ ኽፍኣትኪ፥ ክትሓፍርን ክትዋረድን ኢኺ።
ንዅሉ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ዝወሰዶ ኣቑሑ፥ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶ እየ።
ሽዑ ኣዛርያስ ወዲ ሆሻያን ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርሚያስ “ሓሰት ኢኻ ዝተዛረብካ፤ ባሮክ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ፥ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክንውፈን ንሳቶም ክቐትሉናን ናብ ባቢሎን ክማርኹናን ኢሉ፥ ኣብ ልዕሌና ኣለዓዒሉካ ዘሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ‘ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብፂ ኣይትግዓዙ’ በሎም፥ ኢሉ ኣይለኣኸካን” በልዎ።
ወርሓት ቅፅዓት መፂኡ እዩ፤ መዓልቲታት ፍዳ ኸዓ በፂሑ እዩ፤ እስራኤልውን ይፈልጦ እዩ። ካብ ብዝሒ ሓጢኣትካን፥ ካብ ፅልኣትካን ዝተልዓለ፥ እቲ ነቢይ ሰሲዑ፥ እቲ መንፈሳዊ ሰብ ድማ ኸም ዕቡድ ተቘፀረ።