9 ኣከብቲ ወይኒ እንተ መፁኻ ቐሪምዶ ኣይሓድጉን? ሰረቕቲኸ ብለይቲ እንተ መፁ ዝደለይዎ ወሲዶም ኣይሓደጉልካንዶ?
ከምቲ ኣውሊዕ ምስተነነወ፥ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕለዋይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ፍረ፥ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከዓ፥ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ውሑድ ቀሪም ክተርፍ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።”
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብ ወይኑ ኸም ዝቕርም ከምኡ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤል ክቕርምዎም እዮም፤ ከምቲ ኣራዪ ዘቢብ ኣብ ሃረግ ዝገብሮ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ።”
እኽልኻ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ ነቲ ደረት ግራትካ ፈፂምካ ኣይትዕፀዶ። ነቲ ቐሪም ዓፂድካ ኣይትቐርም።