8 ኣነ ንደቂ ኤሳው ዝቐፅዐሉ ጊዜ ስለ ዝበፅሐ፥ ጥፍኣት ከውርደሉ እየ እሞ፥ ኣቱም ኣብ ዴዳን እትነብሩ ህዝቢ፥ ንድሕሪት ተመሊስኩም ህደሙ። ኣብ ዓሚቍውን ተሓብኡ።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ካብ ኣደንጋፅነቱን ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ ጐዳጕድን በዓትታትን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን ክኣትዉ እዮም።
ብዛዕባ ሃገር ዓረብ ዝተነግረ ፆር። ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፥ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሓድሩ ኢኹም፤
ሰይፈይ ኣብ ሰማይ ኮይና ኽሳዕ እትረዊ ሰትያ ኣላ፤ እንሆ፥ ኣብ ኤዶምያስን፥ ኣብቲ ዝረገምክዎ ህዝብን፥ ንፍርዲ ኽትወርድ እያ።
ንኸተማታት ዴዳን ቴማን ቡዝን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ ዅሎምን፥
እቶም ኣብኣ ተቘፂሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት፥ ከም ስቡሓት ዝራብዓት እዮም። መዓልቲ ቕፅዓቶምን ጊዜ ጥፍኣቶምን ስለ ዝበፅሐ፥ ኵላቶም ንድሕሪት ግልብጥ ኢሎም ሃደሙ፤ ኣብ ቦታኦም ፀኒዖም ክምክቱ ኣይኽእሉን።
ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ፥ ካብተን ከተማታት ውፁ፤ ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ስፈሩ። ከምታ ኣብ ቀልቀል ፀድፊ ቤታ እትሰርሕ ርግቢ ድማ ኹኑ።
እግዚኣብሄር ንሞኣብ ዝቐፅዐሉ ዓመት ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እቲ ኻብ ፍርሓት ዝሃድም ናብ ጕድጓድ ክወድቕ፥ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ።
ህደሙ፤ ህይወትኩምውን ኣድሕኑ፤ ኣብ ምድረ በዳ ኸም ዘሎ ቘጥቋጥ ኩኑ።
“ኣቱም ኣብ ኣሶር እትነብሩ፥ ንጉስ ባቢሎን ክፉእ ምኽሪ መኺሩልኩምን ሃቂኑልኩምን ኣሎ እሞ፥ ህደሙ፤ ቀልጢፍኩም ረሓቑ፤ ኣብ ዓሚቝ ተሓብኡ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዙይ ከዓ ይብል ኣሎ፦
“ኣግማሎም ክዝመቱ፥ ኵለን መጓሰኦም ክማረኻ እየን። ንዅሎም እቶም ወሰና ወሰን ፀጕሮም ዝላፅዩ ሰባት፥ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ብዅሉ ወገን ድማ መዓት ክሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ንዅሎም ዝራብዓታ ሕረድዎም፤ ናብ ማሕረዲውን ኣውርድዎም። መዓልቶም፥ እታ ጊዜ መቕፃዕቶም በፂሓ እያ እሞ፥ ወይለኦም!”
ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፥ ሰብን እንስሳን ድማ ኻብኣ ኸጥፍእ እየ፤ ካብ ቴማን ጀሚረ ፀምፀም በረኻ ኽገብሮ እየ፤ ክሳዕ ዴዳን ከዓ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም ይብል ኣሎ።
ንኤሳው ግና ፀላእኹ። ንእምባታቱ ኣባደምክዎ፤ ርስቱውን ንወኻሩ ምድረ በዳ ሃብክዎ።”
ኤዶማውያን “ንሕና ፈሪስና ኢና፤ ግና ነቲ ዝፈረሰ መሊስና ኽንሓንፆ ኢና” እንተ በሉ እኳ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንሳቶም ይሰርሑ፥ ኣነ ግና ኸፍርሶ እየ። ‘ብሰባትውን፥ ወሰን በደልን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝተቘጥዖም ህዝብን’ ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።”
ነገስታት ምድርን፥ መሳፍንትን፥ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ሃብታማትን፥ ሓያላትን፥ ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን፥ ኣብ ውሽጢ በዓትታትን፥ ኣብ ኣኻውሕ እምባታትን ተሓብኡ።
ደቂ እስራኤል መግዛእቲ ምድያማውያን ስለ ዝበርትዖም፥ ኣብቲ ኣብ እምባታት ዘሎ ጐዳጕድን በዓትታትን ኣብ እምባታትን መሕብኢ ገበሩ።
እቶም ሰብ እስራኤል፥ ፍልስጥኤማውያን ንሰራዊቶም ከም ዘፅበቡሎም ምስ ረአዩ፥ ኣብ በዓትታትን ኣብ ዱርን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ጐዳጕድን ኣብ ዒላታትን ተሓብኡ።