7 ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ “ጥበብዶ ኻብ ቴማን ጠፊኡ እዩ? ምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ርሒቑ እዩ? ጥበቦምከ ኸንቱ ኾይኑ ድዩ?
ኤሳው ንያእቆብ “ደኺመ ኣለኹሞ በይዛኻንዶ ኻብዝ ቐይሕ ፀብሒ ኣብልዐኒ?” በሎ። ስለዙይ ስሙ ኤዶም ተብሃለ።
ኤሳው ድማ ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ንያእቆብ ዝሃቦ ምርቓ፥ ንያእቆብ ተቐየሞ። ኤሳው ከዓ “ብሞት ኣቦይ እንሓዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ብድሕሪኡ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየ” ኢሉ ሓሰበ።
ያእቆብ ድማ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ኣብ ምድሪ ሴይር ናብ ዝነብር ሓዉ ኤሳው ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ።
ደቂ ኤልፋዝ ከዓ እዚኣቶም እዮም፦ ቴማን፥ ኦማር፥ ስፎ፥ ጎቶም፥ ቄኔዝ ነበሩ።
ሹመኛታት ደቂ ኤሳው፥ ደቂ ኤልፋዝ በዅሪ ወዱ ንኤሳው ድማ፥ ሹም ቴማን፥ ሹም ኦማር፥ ሹም ስፎ፥ ሹም ቄኔዝ፥
ኢዮባብ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ሑሳም በዓል ሃገር ቴማኒ፥ ተኪኡ ነገሰ።
ኤሳው ድማ፥ ኣብ እምባ ሴይር ተቐመጠ። ኤሳው ከዓ፥ ኤዶም እዩ።
ቄኔዝ ሓለቓ፥ ቴማን ሓለቓ፥ ሚብሳር ሓለቓ፥
ኤሊፋዝ በዓል ቴማን፥ በልዳዶስ በዓል ሹሓ፥ ሶፋር በዓል ናዕማ፥ ዝበሃሉ ሰለስተ ፈተውቲ ኢዮብ፥ እቲ ዝወረዶ መከራ ሰሚዖም ምስኡ ኽሓዝኑን ከፀናንዕዎን ንኺድ ተበሃሂሎም ከካብ ዓዶም መፁ።
ድሕሪዙይ ኤሊፋዝ በዓል ቴማን ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
ኦ ጐይታ፥ ብመዓልቲ ኢየሩሳሌም፥ ነቶም “ኣፍርስዋ፤ ካብ መሰረታ ኣፍርስዋ” ዝብሉ ደቂ ኤዶም ዘክሮም።
ብዛዕባ ኤዶምያስ ዝተነግረ ፆር። ካብ ሴይር “ኣታ ሓላዊ፥ ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ክንደይ እዩ? ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ኽንደይ እዩ?” ኢሉ ተዳመፀኒ።
ስለዙይ ኣብ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ ተግባርን ተኣምራትን፥ ወሲኸ ኽገብር እየ። ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ክጠፍእ፥ ምስትውዓል እቶም መስተውዓልቲውን ክስወር እዩ።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንህዝበይ እስራኤል ዘውረስክዎም ርስቲ ንዝነኽኡ ዅሎም ክፉኣት ጐረባብቲ፥ ካብ ምድሮም ክነቕሎም እየ። ንቤት ይሁዳውን ካብ ማእኸሎም ክነቕሎ እየ።
ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።
ንዅሎም ህዝቢ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣሞንን፥
ንኸተማታት ዴዳን ቴማን ቡዝን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ ዅሎምን፥
ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።
ስለዙይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስ ዝመኸሮ ምኽርን፥ ነቶም ኣብ ቴማን ዝነበሩ ሰባት፥ ዝሓሰቦ ሓሳብን ስምዑ። ኣናእሽቱ መጓሰታቶምውን እንተይተረፈ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ብርግፅ ንሰፈሮም ዑና ኽገብሮ እዩ።
እዞም ጥበበኛታት እዚኣቶም ክሓፍሩን ክድንግፁን ክተሓዙን እዮም። ንሳቶም ንቓል እግዚኣብሄር ሓዲጎምስ፥ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ሃልይዎም እዩ?
ሳን። ኣቲ ኣብ ሃገር ዖፅ እትነብሪ ጓል ኤዶምያስ፥ ተሓጐሲ፤ ደስ ይበልኪ፤ ግናኸ እቲ ፅዋዕ ናባኺውን ክሓልፍ እዩ፤ ክትሰክርን ጥራሕኺ ኽትኾንን ኢኺ።
“ኣብኡ ኤዶምን ነገስታታን ኵሎም ኣሕሉቓን ኣለዉ፤ እዚኣቶም ሓይሎም ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ተነበሩ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱን ዘይግሩዛትን ደቂሶም ኣለዉ።
ናብታ ፅብቕቲ ምድሪ ኽኣቱ እዩ። ብዙሓት ሃገራት ድማ ኽወድቃ እየን፤ ግና ኤዶምያስን ሞኣብን እቶም ኣውራታት ደቂ ኣሞንን፥ ካብ ኢዱ ኸምልጡ እዮም።
ኣብ ምድሮም ንፁህ ደም ኣፍሲሶም እዮም እሞ፥ ብሰንኪ እቲ ንደቂ ይሁዳ ዝተገብረ ዓመፅ፥ ግብፂ ኽትባድም፥ ኤዶምያስ ከዓ ምድረ በዳ ኽትከውን እያ።
እግዚኣብሄር ካብ ቴማን፥ እቲ ቅዱስውን ካብ እምባ ፋራን ይመፅእ ኣሎ፤ ክብሩ ንሰማያት ከደነ፤ ምስጋናኡ ድማ ንምድሪ መልኣ።
“ኤዶማውያን ግና ኣሕዋትኩም እዮም እሞ ኣይትፀየፍዎም፥ ንግብፃውያንውን፥ ኣብ ሃገሮም ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ኣይትፀየፍዎም።