39 ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንህዝቢ ዔላም ካብ ምርኮ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኢዮብውን ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ፀለየ፥ እግዚኣብሄር ንምርኮ ኢዮብ መለሰሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ካብቲ እቲ ቐደም ዝነበሮ ሃብቲ ኽልተ ዕፅፊ ገይሩ ሃቦ።
በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ እምባ ናይ እግዚኣብሄር ቤት መቕደስ፥ ኣብ ልዕሊ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን፥ ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ኵሎም ኣህዛብ ናብኡ ኽእከቡ እዮም።
ምስ ነቐልኩዎም ግና፥ መሊሰ ኽምሕሮም እየ፤ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነናብ ርስቱን ነናብ ሃገሩን ክመልሶ እየ።
ኣብተን ዳሕረዎት ዘመናት ግና፥ ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ሞኣብ ዝወርድ ፍርዲ ኽሳዕ እዙይ እዩ።
ዙፋነይ ከዓ ኣብ ዔላም ክተክል እየ፤ ንነገስታቶምን ንኣሕሉቖምውን ከጥፍኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ድሕሪዙይ ግና ንምርኮ ደቂ ኣሞን ክመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ንምርኮ ግብፂ ኽመልሶም፥ ናብታ እተወለዱላ ናብ ምድሪ ጳጥሮስ ድማ ኽመልሶም እየ፤ ኣብኣውን ዝተዋረደት መንግስቲ ክኾኑ እዮም።
ነታ ምድሪ ኸም ደመና ምእንቲ ኽትከድና፥ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩ ክፈልጡንስ፥ ናብ ምድረይ ከደይበካ እየ።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሕዚ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፥ ንዅላ ቤት እስራኤል ከዓ ኽምሕራ፥ ስለ እቲ ቕዱስ ስመይ ድማ ኽቐንእ እየ።
እዝ ራእይ እዙይ ንኽፍፀም፥ ገና ብዙሕ ዘመን ስለ ዝተረፎ፥ ንቕድሚት ንዳሕረዋይ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝኸውን ክገልፀልካ፥ ሕዚ ናባኻ መፂአ ኣለኹ” በለኒ።
ግና ምስጢር ዝገልፅ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣሎ። ንሱ ነቲ ብዳሕረዋይ ዘመን ክኸውን ዘለዎ፥ ንንጉስ ናቡከደነፆር ገለፀልካ። እቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ እንተለኻ ዝረአኻዮ ሕልምን ናይ ባዕልኻ ራእይን ከዓ እዙይ እዩ፦
ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።
ኣነ ኸዓ ናይ ህዝበይ እስራኤል ምርኮ ኽምልስ እየ፤ ንሳቶም ድማ ነተን ዝዓነዋ ኸተማታት ክሃንፅወንን ክነብሩለንን እዮም። ወይኒ ኽተኽሉ፥ ወይኑውን ክሰትዩ እዮም፤ ኣታኽልቲ ኽተኽሉ እዮም፤ ፍረኡውን ክበልዑ እዮም።
በቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ እቲ እምባ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ርእሲ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ህዝብታት ድማ ናብኡ ኽውሕዙ እዮም።