Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 49:37 - መፅሓፍ ቅዱስ

37 ንህዝቢ ዔላም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ከም ዝርዕዱ ኽገብሮም እየ፤ መዓት ጓህሪ ቝጥዓይ ከውርደሎም፥ ክሳዕ ዘጥፍኦም ከዓ ድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 49:37
19 Referencias Cruzadas  

ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳብ ልቡ እንተይፈፀመ፥ ስቕ ኢሉ ኣይምለስን፤ በተን ዳሕረዎት ዘመናት፥ ነዙይ ክተስተውዕልዎ ኢኹም።


ድሕሪ ሕዚ ትምክሕቲ ኣይህሉን፤ ሰባት ልዕሊ ሓሴቦን ንዑ፥ ህዝቢ ኸይትኸውን ነጥፍኣያ፥ ኢሎም ተንኰል ይፍሕሱላ ኣለዉ። ኣቲ መድሜን፥ ንስኺ ድማ ኽትጠፍኢ ኢኺ፤ ሰይፊ እውን ክስዕበኪ እዩ።


ኣየ ሞኣብ ከመይ ኢላ ተስዓረት? ኢሎም የልቅሱ ኣለዉ፤ ከመይ ኢላኸ ሞኣብ ነዊራ ዝባና መለሰት? ሞኣብ ንዅሎም እቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ድማ፥ ንመላገፅን ንመሰክሕን ክትከውን እያ።”


እንሆ፥ ከም ንስሪ ኽነፍር፥ ኣኽናፉውን ኣብ ልዕሊ ባሶራ ኽዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ጀጋኑ ኤዶምያስ፥ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።”


ደማስቆ ዛሕተለት፤ ክትሃድም ድማ ዘወር በለት፤ ከም እትወልድ ሰበይቲ እውን ጭንቕን ፃዕርን ሓዛ።


ንድንኳናቶምን መጓሰታቶምን ክወስድዎ እዮም፤ ንመጋረጃኦምን ንዅሉ ኣቑሑኦምን ነግማሎምን ክዘምቱ እዮም፤ ነቶም ህዝቢ እውን ‘እንሆ፥ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ራዕዲ ኣርከበኩም’ ኢልኩም ንገርዎም።


ዙፋነይ ከዓ ኣብ ዔላም ክተክል እየ፤ ንነገስታቶምን ንኣሕሉቖምውን ከጥፍኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


እንሆ፥ ካብ ኵሉ ኸባቢኺ ፍርሓት ክሰደልኪ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ነቶም ዝሃደሙ ድማ ዝእክቦም የለን። ነፍሲ ወከፍ ህይወቱ ኸድሕን ክሃድም እዩ።


ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓያሹ ዝኾኑ ሓሰውቲ ነቢያታ ኣሎ፤ ንሳቶምውን ክዕሸዉ እዮም፤ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ጀጋኑኣ ኣሎ፤ ንሳቶም ከዓ ኽድንግፁ እዮም።


ኣቲ ምድሪ ስምዒ፤ ኣብ ቃላተይ ኣየድሃቡን፤ ንሕገይ ከዓ ደርብዮምዎ እዮምሞ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መዓት ከውርደሎም እየ፤ እዙይ ከዓ ፍረ ሓሳቦም እዩ።


ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዕረ ኸብልዖ፥ መሪር ማይውን ከስትዮ እየ።


ኣብ ማእኸል እቶም ንሳቶም ኮኑ ኣቦታቶም ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፥ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ሰይፊ ደድሕሪኣቶም ክሰደሎም እየ።”


ንዅላቶም ክሕግዝዎ ኢሎም ዝኸብዎን ንዅሎም ሰራዊቱን ናብ ኵሉ ንፋሳት ፋሕ ከብሎም፥ ደድሕሪኣቶም ድማ ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።


መቓብሮም ኣብ ዓሚቍ ጕድጓድ፥ ህዝባ ኸዓ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣሎ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዝስክሑ ዝነበሩ ዅላቶም፥ ብሰይፊ ወዲቖም ተቐቲሎም እዮም።


ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።


መዓልቲታት ምኽባብ ምስ ተፈፀመ፥ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንድዶ፤ ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ፥ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቕዓዮ፤ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፤ ኣነ ድማ ደድሕሪኣቶም ሰይፊ ኽመዝዝ እየ።


ንኣኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፤ ደድሕሬኹም ውግእ ከልዕለልኩም እየ፤ ሃገርኩም ድማ ኽትባድም እያ፤ ከተማታትኩም እውን ክዓንዋ እየን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos