36 ንዔላም፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ፥ ንፋስ ክሰደላ እየ፤ ንህዝባ ኸዓ ናብ ኵሉ መኣዝናት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ካብ ዔላም ዝተሰደዱ ሰባት ዘይብላ ሃገር ድማ ኣይትህሉን እያ።
እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ክሃንፃ እዩ፤ ነቶም ዝተበተኑ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኽእክቦም እዩ።
እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ነቶም ካብ እስራኤል ዝተሰደዱን፥ ነቶም ካብ ይሁዳውን ዝተበተኑን፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኽኣኻኽቦም እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ዝጠፍኡ፥ ኣብ ግብፂ ተሰጒጎም ዝነበሩ ኽመፁ እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።
እቲ ነቶም ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ዝኣኻኽብ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተኣከቡ ብተወሳኺ፥ መሊሰ ንኻልኦት ክእክብ እየ።”
እታ ሓደኳ ዘይግደሰላ ድርብይቲ ፅዮን ኢሎም ሰምዮምኺ እዮምሞ፥ ኣነ ንኸጥዕየኪ፥ ንቝስልኺውን ከሕውዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ኣግማሎም ክዝመቱ፥ ኵለን መጓሰኦም ክማረኻ እየን። ንዅሎም እቶም ወሰና ወሰን ፀጕሮም ዝላፅዩ ሰባት፥ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ብዅሉ ወገን ድማ መዓት ክሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ስለዙይ ኣብ ማእኸልኪ ወለዲ ንውሉዶም፥ ውሉድ ድማ ንወለዶም ክበልዑ እዮም፤ ፍርዲ ኣባኺ ኽፍፅም፥ ንዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።”
ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።
ንሱ ብሓይሊ እናገነነ እንተሎውን፥ መንግስቱ ኽስበር እዩ፤ ኣብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ድማ ኽመቃቐል እዩ። መንግስቱ ተወሲዱ ናብ ካልኦት ክሓልፍ እዩ እምበር፥ ናብ ዘርኡ ኣይኸውንን። ግና ኸምቲ ንሱ ኽገዝእ እንተሎ ዝነበሮ ስልጣን ኣይህልዎን እዩ።
እቶም ክንዲ እቲ ዝተሰብረ ቐርኒ ዝወፁ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ድማ፥ ካብቲ መንግስቲ ዝለዓሉ ኣርባዕተ መንግስታት እዮም። ብሓይሊ ግና ኣይመዓራረይዎን እዮም።
እቲ ዲበላ ጤል ግና እምብዛ እናበርትዐ ኸደ። ምስ በርትዐ ድማ፥ እታ ዓባይ ቀርኑ ተሰበረት፤ ክንድኣ ኸዓ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ዝጥምታ፥ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣቕርንቲ ኣብ ትሕቲኡ ወፃ።
“እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ፤ ንቤት እስራኤል ከዓ ኸምቲ እኽሊ ብመንፊት ዝንፈ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ክነፍዮም እየ፤ ግናኸ ሓንቲ ፍረ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ።
እቲ መልኣኽ ከዓ፥ “እዚኣቶም ካብ ዝቘምዎም፥ ካብ ቅድሚ ጐይታ ዅሉ ምድሪ ዝወፁ፥ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም።”
“እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም።
“እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ብዕንፀይትን ብእምንን ንዝተሰርሑ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ንዘይትፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኢኹም።
ድሕሪዙይ እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም ረአኹ። ንሳቶም፥ ኣብ ምድሪ ወይ ኣብ ባሕሪ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣእዋም፥ ንፋስ ምእንቲ ኸይነፍስ፥ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ነበሩ።