Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 49:33 - መፅሓፍ ቅዱስ

33 ኣሶር ድማ ሰፈር ወኻሩ ኽሳዕ እትኸውን ንዘለኣለም ከባድማ እየ። ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን እዩ። ወዲ ሰብ ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይነብርን እዩ።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 49:33
13 Referencias Cruzadas  

ንባቢሎን ዓዘቕቲ ኽገብራ እየ፤ መሕደሪ ቅንፍዝውን ክትከውን እያ። ብመዀስተር ጥፍኣት ገይረ ኽዅስትራ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”


ድምፂ ወረ ስምዑ፤ እንሆ፥ ንኸተማታት ይሁዳ፥ ዑናን መስፈሪ ወኻሩን ምእንቲ ኽገብርን፥ ድምፅን ብርቱዕ ህምህምታን፥ ካብ ሃገር ሰሜን ይመፅእ ኣሎ።


ባቢሎን ድማ ዅምራ እምንን ሰፈር ወኻሩን፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ መሰክሕን መላገፅን ክትከውን እያ።


እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ንኢየሩሳሌም መዀመሪ ፍርስራስ እምንን፥ ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፥ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ዑናታት ክገብረን እየ” ይብል ኣሎ።


ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየሞ፥ ብርግፅ ሞኣብ ከም ሰዶም፥ ደቂ ኣሞንውን ከም ገሞራ፥ ምድሮምውን ዓውሊ ዝወረሶን፥ ጕድጓድ ጨውን፥ ንዘለኣለም ዝዓነወን ክኸውን እዩ። እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ህዝበይ ክዘምትዎም፥ ሓድጊ ህዝበይውን ክወርስዎም እዮም።”


ንኤሳው ግና ፀላእኹ። ንእምባታቱ ኣባደምክዎ፤ ርስቱውን ንወኻሩ ምድረ በዳ ሃብክዎ።”


ንሱ ኸዓ፦ “እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! መሕደሪ ኣጋንንትን፥ ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፥ ሰፈር ኵሉ ርኹስን፥ ሰፈር ዘፀይፍ ኵሉ ኣዕዋፍን ኮይና፤


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos