30 “ኣቱም ኣብ ኣሶር እትነብሩ፥ ንጉስ ባቢሎን ክፉእ ምኽሪ መኺሩልኩምን ሃቂኑልኩምን ኣሎ እሞ፥ ህደሙ፤ ቀልጢፍኩም ረሓቑ፤ ኣብ ዓሚቝ ተሓብኡ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዙይ ከዓ ይብል ኣሎ፦
ንሱ ግና ኸምኡ ኣይሓስብን፤ ብልቡውን ከምኡ ኣይመስሎን፤ ግና ምጥፋእን ውሑዳት ንዘይኮኑ ኣህዛብ ምቍራፅን ኣብ ልቡ ኣሎ።
ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።
ንዅለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ንባርያይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ሂበየን ኣለኹ፤ እንስሳ በረኻ እውን ከም ዝግዝእዎ ሂበዮ ኣለኹ።