29 ንድንኳናቶምን መጓሰታቶምን ክወስድዎ እዮም፤ ንመጋረጃኦምን ንዅሉ ኣቑሑኦምን ነግማሎምን ክዘምቱ እዮም፤ ነቶም ህዝቢ እውን ‘እንሆ፥ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ራዕዲ ኣርከበኩም’ ኢልኩም ንገርዎም።
እንጀራ ኽበልዑ ምስ ተቐመጡ፥ እስማኤላውያን ነጋዶ ኻብ ገለዓድ ክመፁ እንተለዉ ረአዩ። ንሳቶም ኣብ ኣግማሎም ሽቱን ቀመምን ከርበን ፅዒኖም ናብ ግብፂ ዝወርዱ ነበሩ።
ጥሪቱ ድማ ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሰለስተ ሽሕ ኣግማል፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ፅምዲ ኣብዑር፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ወላዳት ኣእዱግ ነበረ፤ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዝ ሰብ እዙይ ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዝበለፀ ዓብዪ ነበረ።
ኣነ መንበርየይ ዝረሓቐ ወይለይ! ኣብ ድንኳናት ቄዳር ሓደርኩ።
ናይ ብዙሓት ሰባት ፀርፊ ሰሚዐ እየሞ፥ ኣብ ዙርያይ ፍርሓት ነበረ፤ ኣብ ልዕለይ ብሓደ ምስ ተኣከቡ ንነፍሰይ ክነጥቁ ተማኸሩ።
ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይሰፍርን እዩ፤ ንውሉድ ወለዶ ኸዓ መሕደሪ ሰብ ኣይትኸውንን እያ። ኣዕራብውን ኣብኣ ድንኳኖም ኣይተኽሉን፤ ጓሶት ድማ መጓሰኦም ኣየስፍሩላን እዮም።
ኵላቶም መጓሰታት ቄዳር ናባኺ ኽእከቡ፥ ማጓሉ ነባዮትውን ከገልግሉኺ፥ ናባኺ ኽመፁ እዮም። ንኣይ ዘሐጕስ መስዋእቲ ኾይኖም ከዓ፥ ኣብቲ መሰውኢየይ ክወፁ እዮም፤ ኣነውን ንቤት ክብረይ፥ ከኽብር እየ።
ድንኳነይ ተበላሸወ፤ ኵሉ ገመዳተይ ተበታተኸ፤ ደቀይ ተበታተኑ፤ ምሳይ የለዉን፤ ደጊም ድንኳነይ ዝተክል፥ መጋረጃይ ከዓ ዝሰቅል የለን።”
ጥፍኣት ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ይወርድ ኣሎ፤ ኵላ እታ ሃገር ዓንያ እያ፤ ድንኳናትና ብድንገት፥ መጋረጃታትና ድማ ከም ቅፅበት ዓይኒ ጠፍኣ።
ስለ ምንታይ ደኣ ደንጊፆም፥ ንድሕሪት ዝምለሱ ዝርኢ ዘለኹ? ብርቱዓት ተዋጋእቶም ተስዒሮም፤ ንድሕሪት ግልፅ እንተይበሉ ይሃድሙ ኣለዉ፤ ብዅሉ ወገን ራዕዲ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ደማስቆ ዛሕተለት፤ ክትሃድም ድማ ዘወር በለት፤ ከም እትወልድ ሰበይቲ እውን ጭንቕን ፃዕርን ሓዛ።
እንሆ፥ ካብ ኵሉ ኸባቢኺ ፍርሓት ክሰደልኪ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ነቶም ዝሃደሙ ድማ ዝእክቦም የለን። ነፍሲ ወከፍ ህይወቱ ኸድሕን ክሃድም እዩ።
ሰይፊ ፀላኢን፥ ፍርሓትን ኣብ ኵሉ ወገን ኣሎሞ፥ ናብ መይዳ ኣይትውፅኡ፤ ብመንገድታትውን ኣይትኺዱ።”
ድንኳናት ኢትዮጵያ ኽጭነቑ እንተለዉ ረአኹ፤ መጋረጃታት ምድሪ ምድያም ከዓ ኣንቀጥቀጡ።
ብዅሉ ወገን ንግፋዕ፤ ግና ኣይንሰዓርን፤ እንገብሮ ይጠፍአና፤ ግና ተስፋ ኣይንቐብፅን፤
ኣብ መቄዶንያ ምስ በፃሕና ድማ፥ ብዅሉ ጨነቐና እምበር፥ ብስጋና ዕረፍቲ ኣይረኸብናን፤ ኣብ ወፃኢ ውግእ፥ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሓት ነበረና።
ንሳቶም ምስ ከፍቶምን ድንኳናቶምን ይድይቡ ነበሩ፤ ምብዛሖምውን ከም ኣንበጣ ነበረ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቍፅሪ ዘይብሎም ነበሩ እሞ፥ ነታ ሃገር ከጥፍእዋ ይኣትዉ ነበሩ።
ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ኵሎም ደቂ ምብራቕን ብዝሖም ከም ኣንበጣ ዝኾኑ ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከዓ ኽቝፀራ ዘይኽእላ፥ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑፃ ብዙሓት ነበራ።
ሽዑ ዛብሄልን ስልማናን “ሓይሊ ሰብ ከም ሰብነቱ እዩ እሞ፥ ንስኻ ተሲእኻ ቕተለና” በልዎ። ጌዴዎን ከዓ ተሲኡ ንዛብሄልን ስልማናን ቀተሎም፤ እቲ ኣብ ክሳድ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት ከዓ ወሰደ።
ብዘይ እቲ ኣብ ነገስታት ምድያም ዝነበረ ድሪን ኵትሻን ግምጃ ኽዳውንትን፥ ብዘይ እቲ ኣብ ክሳውዲ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት፥ እቲ ዝለመኖ ቐለበታት ወርቂ ሚዛኑ ዳርጋ ዕስራ ኪሎ ግራም ኮነ።