28 ብዛዕባ ቄዳርን ብዛዕባ እቶም ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮም መንግስታት ኣሶርን እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተስኡ ናብ ቄዳርውን ደይቡ፤ ነቶም ደቂ ምብራቕውን ኣጥፍእዎም።
ስም ደቂ እስማኤል በብስሞምን በብትውልዶምን እዙይ እዩ፦ በዅሪ ወዱ ነባዮት፥ ቄዳር፥ ኣድብኤል፥ መብሳም፥
ነቶም ካብ ዕቁባታቱ ዝወለዶም ግና፥ ገና ብህይወቱ እንተሎ፥ ካብ ይስሓቅ ወዱ ኣርሒቑ፥ ውህብቶታት ሂቡ ናብ ምድሪ ምብራቕ ኣቢሉ ሰደዶም።
ደቂ እስማኤል ከዓ በዅሩ ነባዮት፥ ቄዳር፥ ነብዳኤል፥ መብሳም፥
ጥሪቱ ድማ ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሰለስተ ሽሕ ኣግማል፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ፅምዲ ኣብዑር፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ወላዳት ኣእዱግ ነበረ፤ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዝ ሰብ እዙይ ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዝበለፀ ዓብዪ ነበረ።
ኣነ መንበርየይ ዝረሓቐ ወይለይ! ኣብ ድንኳናት ቄዳር ሓደርኩ።
ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ፀላም እየ፤ ግና ፅብቕቲ እየ፤ ከም ድንኳናት ቄዳር፥ ከም መጋረጃታት ሰሎሞን እየ።
ኣብ ማእገር ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ክነፍሩ እዮም፤ ብሓደ ኾይኖም ንሰብ ምብራቕ ከዓ ኽዘምትዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣእዳዎም ክዝርግሑ እዮም፤ ደቂ ኣሞን ከዓ ኽእዘዝዎም እዮም።
ብዛዕባ ሃገር ዓረብ ዝተነግረ ፆር። ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፥ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሓድሩ ኢኹም፤
በረኻን ከተማታቱን፥ ህዝቢ ቄዳር ዝነብርወን ቁሸታትን፥ ድምፆም ልዕል የብሉ፤ እቶም ኣብ ሴላ ዝነብሩ ዕልል ይበሉ፤ ኣብ ርእሲ እምባታት ኮይኖም ድማ፥ ድምፂ የስምዑ።
“ተሳጊርኩም ክሳዕ ደሴት ኪቲም ኪዱሞ ረአዩ፤ ክሳዕ ምድሪ ቄዳርውን ለኣኹ እሞ፥ ኣፀቢቕኩም መርምሩ፤ ቅድሚ እዙይ ከምዙይ ዝመሰለ ነገር፥ ተገይሩ እንተ ኾይኑ ተመልከቱ።”
ንኸተማታት ዴዳን ቴማን ቡዝን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ ዅሎምን፥
ንዅሎም ነገስታት ዓረብን፥ ንዅሎም ነገስታት እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ሕውስዋስ ህዝብታትን፥
“ካብ እግዚኣብሄር መልእኽቲ ሰሚዐ ኣለኹ። ‘ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ተኣከቡ፤ ኣብ ልዕሊኣውን ንዑ ንውግእ ድማ ተልዓሉ!’ ዝብል ልኡኽ ተልኢኹ እዩ።
ኣሶር ድማ ሰፈር ወኻሩ ኽሳዕ እትኸውን ንዘለኣለም ከባድማ እየ። ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን እዩ። ወዲ ሰብ ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይነብርን እዩ።”
ዓረብን ኵላቶም መሳፍንቲ ቄዳርን ብኢድኪ ነገዱ፤ ምሳኺ ኽነግዱ ጥቦታትን ማጓሉን ኣጣልን ኣምፅኡ።
ደቂ እስራኤል ዘርኢ ምስ ዘርኡ፥ ምድያማውያን ምስ ኣማሌቃውያንን ምስቶም ደቂ ምብራቕን ኮይኖም ይመፅዎም ነበሩ።