26 ስለዙይ ኣጓብዛ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቑ እዮም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጀጋኑኣውን ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ክቐፅዖም እየ፤ ኣጓብዞም ብሰይፊ፥ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜት ክሞቱ እዮም።
ስለዙይ እቶም ኣጓብዛ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቁ እዮም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ኵሎም እቶም ናታ ተዋጋእቲ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ሞት ንቘልዑ ኻብ መንገድታት ከጥፍእ፥ ነጕባዝ ድማ ኻብ ኣደባባያት ከፅንት ብመሳዅትና ደዪቡ፥ ናብ ኣዳራሻትናውን ኣትዩ እዩ።
ሳን። ቈልዑን ኣረጋውያንን ሞይቶም ኣብ መሬት፥ ኣብ ኣደባባያት ተደርብዮም ኣለዉ፤ ጐርዞታተይን ኣጕባዘይን ከዓ ብሰይፊ ወደቑ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኻ ቐተልካዮም፤ ብዘይ ርህራሀውን ሓረድካዮም።
ሃብትኽን መናገድያኽን መለዋወጢኽን ባሕረኛታትክን መራሕቲ መራኽብክን መዐረይቲ ስቡርክን ነጋዶኽን፥ ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ጭፍራ ውግእኽን፥ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ሰብኡትን በታ መዓልቲ ውድቀትኪ፥ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኽወድቁ እዮም።
“ከምቲ ኣብ ግብፂ ዝገበርክዎ፥ መቕሰፍቲ ለኣኽኩልኩም፤ ኣጓብዝኩም ኣብ ኲናት ከም ዝቕተሉ፥ ኣፍራስኩም ከም ዝማረኹ ገበርክዎም። ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናብ ኣፍንጫኹም ኣውፃእኹ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።