21 ካብ ድምፂ ኣወዳድቓኣቶም ዝተልዓለ ምድሪ ተናወፀት፤ ድምፂ ኣውያቶም ድማ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ተሰምዐ።
ባቢሎን ክትወድቕ እንተላ ምድሪ ኽተንቀጥቅጥ እያ፤ ኣውያታውን ኣብ ማእኸል ህዝብታት ክጋዋሕ እዩ።”
ተዳሊኻ፥ ገፅካ ናብ ዝፈተዎ ንየማን ወይ ንፀጋም ኪድ።
ንሰይፈይ ኣብ ቅድሚኣቶም ማሕማሕ ከብሎ እንተለኹ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ብኣኻ ኸሰኽሖም እየ፤ ነገስታቶም ድማ የመና ኽርዕዱ እዮም። ብመዓልቲ ውድቀትካ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ኵልሻዕ ስለ ህይወቱ ራዕራዕ ክብል እዩ።”
ነቲ ኣብኣ ዝወርድ ዝነበረ ስቓይ ስለ ዝፈርሑ፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፦ ‘ወይለኺ! ወይለኺ! ኣቲ ዓባይ ከተማ፥ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፥ ፍርድኺ ብሓንቲ ሰዓት መፂኡኪ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።