Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 49:20 - መፅሓፍ ቅዱስ

20 ስለዙይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስ ዝመኸሮ ምኽርን፥ ነቶም ኣብ ቴማን ዝነበሩ ሰባት፥ ዝሓሰቦ ሓሳብን ስምዑ። ኣናእሽቱ መጓሰታቶምውን እንተይተረፈ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ብርግፅ ንሰፈሮም ዑና ኽገብሮ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 49:20
16 Referencias Cruzadas  

ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር፤ ሓሳባት ልቡውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።


ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሓሳብ ኣሎ፤ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ፀኒዑ ይነብር።


ንዅሉ እቲ ዝዋግአኩም ሰራዊት ባቢሎናውያን እንተ እትስዕርዎ እሞ፥ ውጉኣት ሰባት ጥራሕ ካብኣቶም እንተ ዝተርፉ፥ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፎም ካብ ደድንኳኖም ተሲኦም፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ መባርዕዋ ነይሮም።”


ባሶራ መገረምን መፃረፍን መራገምን ከም እትኸውን፥ ኵለን ከተማታታ ንዘለኣለም ከም ዝባድማ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ “ጥበብዶ ኻብ ቴማን ጠፊኡ እዩ? ምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ርሒቑ እዩ? ጥበቦምከ ኸንቱ ኾይኑ ድዩ?


ስለዙይ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ዝመደበላ ምኽርን፥ ንሃገር ከለዳውያን ዝሓሰበላ ሓሳብን፥ እንታይ ከም ዝኾነ ስምዑ፤ ኣናእሽተይ መጓሰኦም እንተይተረፉ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ንመውፈሪኦም ፈፂሙ ኸጥፍኦ እዩ።


ኣብ ልዕሊ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ባሶራን ድማ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”


መሊሱ “ንዘሩባቤል፥ ዝተብሃሎ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብመንፈሰይ እምበር፥ ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


እዙይ ዝኾነውን፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ብፍቓድካን ብሓይልኻን ዝወሰንካዮ፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።


ንሕና ኣቐዲምና ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፥ ንናይ ክብሩ ምስጋና ምእንቲ ኽንከውን፥ እቲ ብፍቓዱ ንዅሉ ነገራት፥ ከም ምኽሩ ዝገብር እግዚኣብሄር፥ ወረስቲ ኽንከውን ብወዱ ሓረየና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos