Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 49:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ግና ኣብ ረባት ከተማ ደቂ ኣሞን ድምፂ ውግእ ዘስምዐሉ ጊዜ ይመፅእ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሳ ኽትዓኑ እያ፤ እተን ኣዋልዳ ብሓዊ ኽቓፀላ እየን። ሽዑ እስራኤል ነቶም ወሪሶምዋ ዝነበሩ ኽትወርሶም እያ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 49:2
22 Referencias Cruzadas  

ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ንዓመታኡ ኸዓ በቲ ነገስታት ንውግእ ዝወፁሉ ጊዜ፥ ዳዊት ንኢዮኣብ ምስቶም ሹመኛታቱን ምስ ዅሉ እስራኤልን ሰደዶ። ንሃገር ደቂ ኣሞን ኣጥፊኦም ድማ ንረባት ኸበብዋ። ዳዊት ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ተሪፉ ነበረ።


ኦ ጐይታ፥ ብፍርድታትካ፥ እምባ ፅዮን ደስ ይበሎ፤ ኣዋልድ ይሁዳውን ይተሓጐሳ።


ኦ ጐይታ፥ ስለ ፍርድኻ ፅዮን ሰሚዓ ተሓጐሰት፤ ኣጓላት ይሁዳውን ደስ በለን።


ኣብ ማእገር ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ክነፍሩ እዮም፤ ብሓደ ኾይኖም ንሰብ ምብራቕ ከዓ ኽዘምትዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣእዳዎም ክዝርግሑ እዮም፤ ደቂ ኣሞን ከዓ ኽእዘዝዎም እዮም።


ብዛዕባ ደማስቆ ዝተነግረ ፆር። “ድሕሪ ደጊም ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ክተቋርፅ እያ፤ ዑናን ኵምራ ፍርስራስን ክትከውን እያ።


ኣምዑተይ! ኣምዑተይ! ልበይ የመና ሓሚሙ ኣሎ። ብውሽጠይውን ልበይ ተሃዊኹኒ እዩ። ኦ ነፍሰይ ድምፂ መለኸትን፥ ህማም ውግእን ትሰምዒ ኣለኺሞ፥ ስቕ ክብል ኣይክእልን እየ።


እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ኣሞን ዝበሎ እዙይ እዩ፦ “ንእስራኤልዶ ውሉድ የብሉን እዩ? ወረስቲኸ የብሉን ድዩ? ስለ ምንታይ ድኣ እቲ ሚልኮም ንጉሶም ንጋድ ዝወረሳ? ህዝቡ ኸዓ ኣብ ከተማታቱ ንምንታይ ተቐመጡ? ይብል እግዚኣብሄር።”


ሰይፊ ናብ ራባት፥ ናይ ደቂ ኣሞን፥ ናብ ይሁዳ ኸዓ ናብታ ዕርድቲ ኢየሩሳሌም ክመፅእስ መንገዲ ኽትገብር ኢኻ።


“ኣታ በዝ ሓጢኣትካ ዝፍፀመሉ፥ ጊዜ መዓልትኻ ዝበፅሐ ርኹስ ሓጥእ ሓለቓ እስራኤል፥


ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ራባት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ብመዓልቲ ውግእ ብኣውያት፥ ብመዓልቲ ኣውሎ ንፋስውን ብሁከት ንኣዳራሻታ ህሙኽ ከብሎ እዩ።


“ሰባት ደቡብ ንእምባ ኤሳው፥ ሰባት እቲ ቖላ ድማ፥ ንምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክወርሱ እዮም፤ ንሳቶም ንምድሪ ኤፍሬምን ንሰማርያውን ክሕዙ እዮም፤ ብንያምውን ንገለዓድ ክወርስ እዩ።


ኣብ ምድሪኹም፥ ምስቲ ብግፍዒ ዝመፀኩም ፀላኢ ኽትዋግኡ እንተለኹም፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ መለኸት ንፍሑ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትዝከሩ ኢኹም፤ ካብ ፀላእትኹም ከዓ ክትድሕኑ ኢኩም።


ደቂ እስራኤል ድማ ንዅለን ከተማታት ኣሞራውያን ሓዝወን፤ ንሓሴቦንውን ምስ ኵለን ከባቢኣ ሓዝዋ፤ ኣብኣተንውን ተቐመጡ።


ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ኣብ ማእኸል ኣደባባያ ኣክብዎ፤ ነታ ኸተማን ንዅሉ ኻብኣ ዝተዘምተን ብምሉኡ ኸም መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብሓዊ ኣቃፅልዎ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፤ መሊሳ ኸዓ ኣይትተሃነፅ።


ካብቶም ዝተረፉ ረፋውያን ዓግ ንጉስ ባሳን በይኑ ተሪፉ ነበረ። ዓራቱ፥ ንውሓቱ ኣርባዕተ ሜትር፥ ስፍሓቱ ኣስታት ክልተ ሜትር ዝኾነ ዓራት ሓፂን ነበረ። ንሱ ኣብ ራባት ናይ ደቂ ኣሞን ኣሎ።


ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን፥ ቤትሳንን ቁሸታታን፥ ይብልዓምን ቁሸታታን፥ ኣብ ዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ዔንዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ታዕናክ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ መጊዶ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ሰለስቲአን በረኽቲ ንምናሴ ኾና።


ደቂ ዮሴፍ ድማ “እቲ ዀረብታታት ኣይኣኽለናን እዩ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ለሰ ዝነብሩ ከነዓናውያን፥ እቶም ኣብ ቤትሳናን ኣብ ቁሸታታን ዝነብሩ ኾነ፤ ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ዝነብሩ፥ ኵላቶም ሰረገላታት ሓፂን ኣለዎም” በሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos