Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 49:19 - መፅሓፍ ቅዱስ

19 እንሆ፥ ካብኣ ብህፁፅ ከባርሮም እየሞ፥ ኣብ ልዕሊ ፅኑዕ እምባ፥ ኣብ ውሽጢ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ከም ኣንበሳ ኽድይብ እዩ። ነቲ ዝተሓርየ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ምሳይ ክመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ጊዜ ዝውስነለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳኸ መን እዩ?

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 49:19
28 Referencias Cruzadas  

እቶም በታ መጀመርታ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወሰና ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ እንተላ ዝተሳገሩ፥ ነቶም ኣብ ለሰታት ዝነብሩ ዅሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጕዎም ድማ እዚኣቶም እዮም።


ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና! ንስኻዶ ኣይኮንካን ኣብ ሰማይ ዘለኻ? ንዅለን መንግስታት ኣህዛብ እትገዝእስ ንስኻዶ ኣይኮንካን? ሓይልን ስልጣንን ከዓ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፥ ክቃወመካ ዝኽእል የለን።


ንእኡ ኽቕስቅሶ ዝደፍር የለን፤ ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል መን እዩ?


ብሓይሊ እንተ ኾይኑ፥ ንሱ ሓያል እዩ፤ ብፍርዲ እንተ ኾይኑ ኸዓ ጊዜ ዝውስን መን እዩ?


ኣነ ፍፁም እየ፤ ግና ብዛዕባ ነፍሰይ ግዲ የብለይን፤ ንህይወተይውን እንዕቓ ኣለኹ።


ኵሉ ህያው ኣብ ቅድሜኻ ፃድቕ ኣይኮነንሞ፥ ምስ ባርያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።


ንስኻ ግና፥ ንስኻ ግሩም ኢኻ፤ ንመዓትካ መን ይቃወሞ?


ፍርዲ ኻብ ሰማይ ኣስማዕኻ፤ ልቢ የዋሃን ምእንቲ ኸድሕን፥ እግዚኣብሄር ንፍርዲ ምስ ተልዓለ፥ ምድሪ ፈርሐት፤ ስቕ ድማ በለት።


ንእግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መን ይመዓራረዮ? ካብ ደቂ ኣማልኽትኸ መን ይመስሎ?


ኦ ጐይታ ኣምላኽ ሰራዊት፥ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ሓያል ኢኻ፤ ሓቂውን ይኸበካ።


ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፥ ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሐ፥ ገባሪ ተኣምራት፥ መን ኣሎ?


ምስ መን ደኣ ኽተመዓራርዩኒ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመሳስሉኒ ኢኹም? ይብል እቲ ቕዱስ።


ነቲ ናይ ጥንቲ፥ ናይ ቀደም ዘክሩ፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የለን፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ዝመስለኒውን የለን።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምስ ኣጋር ተቐዳዲምካ ኻብ ኣድከሙኻ፥ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ፥ ክትቀዳደም ኢኻ? ኣብ ሰላም ሃገር ካብ ተኣመንካ፥ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣ፥ እንታይ ክትገብር ኢኻ?


ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።


መራሒኦም ካብኣቶም ክኸውን እዩ፤ ገዛኢኦም ከዓ ኻብ ማእኸሎም ክትስእ እዩ፤ ናባይ ከቕርቦ እየ፤ ንሱውን ክቐርበኒ እዩ፤ እንተ ዘይኮይኑ ናባይ ደፊሩ ዝቐርብ መን እዩ? ይብል እግዚኣብሄር።


ኣንበሳ ካብ ፀምፀም ዱር ወፂኡ ኣሎ፤ ንኣህዛብ ዝዘምትውን ተሲኡ ኣሎ፤ ንምድርኺ ባድማ ኽገብር ድማ ካብ ስፍራኡ ወፂኡ ኣሎ፤ ከተማታትኪ ኸዓ ሓደ እኳ ዝነብረለን ክሳዕ ዝሰኣን ክዓንዋ እየን።


እቲ ቐዳማይ ኣንበሳ ይመስል፤ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፉ ኽሳዕ ዝንቀል ከዓ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል በለ፤ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፤ ልቢ ሰብውን ተውሃቦ።


ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ ዝቐውም መን እዩ? ንረስኒ ቝጥዓኡ መን ይዕገስ? መዓቱ ኸም ሓዊ ይፈስስ፤ ካብኡ ዝተልዓለ ኣኻውሕ ይጭደዱ።


ክብሪ ጓሶት ተዋሪዱ እዩሞ፥ ድምፂ ኣውያቶም ተሰምዐ፤ ትዕቢት ዮርዳኖስ ተዋሪዱ እዩሞ፥ ድምፂ ምጕዛም ኣንበሳ ተሰምዐ።


ንቆሬን ነቶም ሰዓብቱን ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ፅባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ኸፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸዓ ናብኡ ኸቕርቦ እዩ።


እቲ ወርሓት፥ እዋን ዓፂድ ብምዃኑ፥ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ። ግና እቶም ታቦት ኪዳን ዝፆሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ፥ ኣእጋሮም ድማ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ፥


እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም መፂኣ እያ እሞ፥ መንከ እዩ ደው ክብል ዝኽእል?” በልዎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos