Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 49:17 - መፅሓፍ ቅዱስ

17 “ኤዶምያስ መገረሚት ክትከውን እያ፤ ነፍሲ ወከፍ ብኣኣ ዝሓልፍ ድማ ኽግረም እዩ፤ ስለ እቲ ዅሉ ዝወረዳ መቕሰፍቲ እውን ክስክሐላን ክፋፅየላን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 49:17
16 Referencias Cruzadas  

እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ድማ፥ የመና እኳ ልዕል ልዕል እንተበለት፥ ብኣኣ ዝሓልፉ፥ ብኣኣ ኽግረሙን ‘ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣንስ ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ገበረን?’ ክብሉ እዮም፤


ንምድሮም ንመደነቕን፥ ንዘለኣለም መሳለቕን ገበርዋ፤ ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ይግረም፤ ብምግራምውን ርእሱ ይንቕንቕ።


ባሶራ መገረምን መፃረፍን መራገምን ከም እትኸውን፥ ኵለን ከተማታታ ንዘለኣለም ከም ዝባድማ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ካብ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ዅላ ኽትባድም እያ እምበር፥ ድሕሪዙይ ኣብኣ ዝነብር የለን። ኵሉ ብባቢሎን ዝሓልፍ ከዓ በቲ ዝወረዳ መቕሰፍቲ ኽግረምን ከላግፀላን እዩ።


ባቢሎን ድማ ዅምራ እምንን ሰፈር ወኻሩን፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ መሰክሕን መላገፅን ክትከውን እያ።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፥ ሰብን እንስሳን ድማ ኻብኣ ኸጥፍእ እየ፤ ካብ ቴማን ጀሚረ ፀምፀም በረኻ ኽገብሮ እየ፤ ክሳዕ ዴዳን ከዓ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም ይብል ኣሎ።


እቶም ነጋዶ ህዝብታት ክፋፅዩልኪ እዮም፤ መሰክሒ ዄንኪ ንዘለኣለም ኣይትህልውን ኢኺ።”


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፦ ኣታ እምባ ሴይር እኒሀኹ ኣብ ልዕሌኻ እየ፤ ኢደይ ኣባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ባዶን በረኻን ክገብረካ እየ።”


ንእምባ ሴይር ባዶን በረኻን ክገብሮ፥ ነቲ ብእኡ ዝኸይድን ዝምለስን ድማ ኸፅንቶ እየ።


ስርዓት ዖምሪን ኵሉ ልምዲ ኣክኣብን ሓሊኻ ኢኻ፤ ምኽሮምውን ተኸቲልኻ ኢኻ፤ ስለዙይ ፀርፊ ህዝበይ ክትፀውር ኢኻ፤ ንኣኻ ንመሰክሒ፥ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ንፋፃ ኽገብሮም እየ።”


ነታ ሃዲኣ እትነብርን ብልባ ኸዓ “ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ሓደ እኳ የለን” እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዚኣ እያ፤ ክንድዙይ ዝባደመትን መሕደሪ ኣራዊትን ከመይ ኮነት! ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ኢዱ እናዋጣወጠ ይፋፅየላ።


“ብድሕሬኹም ዝለዓሉ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፁ ባዕዳንን ከዓ ናይዛ ሃገር እዚኣ መዓትን እቲ እግዚኣብሄር ዘምፅአላ ሕማምን ክሪኡ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos