Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 49:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ኣታ ኣብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕ እትነብር፥ ርእሲ እምባውን እትሕዝ፥ ድፍረትካን ኵርዓትካን ኵርዓት ልብኻን ኣታሊሉካ፤ ቤትካ ኸም ንስሪ ኣብ ልዑል ቦታ እንተ ሰራሕኻ እኳ፥ ካብኡ ናብ ታሕቲ ኸፅድፈካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 49:16
21 Referencias Cruzadas  

ኣሜስያስ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሽሕ ኤዶማውያን ቀተለ፤ ንሴላ ኸዓ ብውግእ ሓዛ፤ ስማ ድማ ኸምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ፥ ዮቅትኤል ኢሉ ሰመያ።


ንስሪ ንላዕሊ ዝዓርግ፥ ቤቱውን ኣብ በሪኽ ዝሰርሕኸ ብትእዛዝካ ድዩ?


ንጥፍኣት ትዕቢት፥ ንውድቀት ከዓ ዅርዓት ትቕድማ።


ሞትን ህይወትን፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን መልሓስ እዮም፤ እቶም ዝፈትዉዋ ኸዓ ፍረኣ ኽበልዑ እዮም።


ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ፤ ትሑት መንፈስ ዘለዎ ግና፥ ክብረት ይረክብ።


ኣቲ ኣብ ቋቝራ ኰዅሒ፥ ኣብ መሕብኢ ፀድፊ ዘለኺ፥ ርግበይ፥ ድምፅኺ ጥዑም፥ መልክዕኺ ፅቡቕ እዩ እሞ፥ ገፅኪ ኣርእይኒ፤ ድምፅኺውን ኣስምዕኒ።


ሰብ ኢዱ ናብ ሰፈር ዒፍ ከም ዝሰድድ፥ ኣነውን ከምኡ ኢደይ ናብ ሃብቲ መንግስታት ሰደድኩ፤ ሰባት ዝተሓደገ እንቍላሊሕ ከም ዝእክቡ ኣነውን ከምኡ ንዅሉ ምድሪ ኣከብኩዎ። ክከላኸል ኢሉ ኽንፉ ዘንገብግብ ወይ ኣፉ ኸፊቱውን ዘእወየ ኣይነበረን” ይብል ኣሎ።


እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ካብ ኣደንጋፅነቱን ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ ጐዳጕድን በዓትታትን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን ክኣትዉ እዮም።


እግዚኣብሄር ግና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምርኮ እቶም ሓያላት ክውሰዱ እዮም፤ ምሩኻት እቶም ጨካናት ከዓ ኸምልጡ እዮም። ንኣኺ ዝፃረሩ ኽፃረሮም እየ፤ ንደቅኺውን ከድሕኖም እየ።


“ኣቱም ሰብ ሞኣብ ‘ኣብ ውግእ ጀጋኑን ተዋጋእትን ኢና’ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ኢኹም?


እንሆ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዝተሓትካ፥ ብሰባትውን ዝተንዓቕካ ገይረካ ኣለኹ።


“ንወርወርቲ ቐስቲ፥ ንዅላቶም ቀስቲ ዝግትሩ፥ ንባቢሎን ክወግእዋ ኣኽትትዎም። ሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩ፤ ከም ግብራውን ፍደይዋ። ንእግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ተዓብያ እያ እሞ፥ ከምቲ ዅሉ ዝገበረቶ ፍደይዋ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝገበረቶውን ፍደይዋ።


ባቢሎን ክሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ደየበት፥ ልዕልና ሓይላውን እንተፅንዐት፥ ካባይ መጥፋእቲ ኽመፅዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ናብ ሲኦል እንተ ወረዱኳ፥ ኢደይ ካብኡ ኽተውፅኦም እያ። ናብ ሰማይ እንተ ደየቡውን፥ ካብኡ ኣነ ኸውርዶም እየ።


ካብ ክፉእ ንኽድሕን፥ ንቤቱ ኣብ በሪኽ ቦታ ንኽገብር፥ ንገዛኡ ዘይግባእ ትርፊ ንዝእክብ ወይለኡ!


ንኤሳው ግና ፀላእኹ። ንእምባታቱ ኣባደምክዎ፤ ርስቱውን ንወኻሩ ምድረ በዳ ሃብክዎ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos