13 ባሶራ መገረምን መፃረፍን መራገምን ከም እትኸውን፥ ኵለን ከተማታታ ንዘለኣለም ከም ዝባድማ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ንወድኻ፥ ነቲ ሓደ ወድኻ እኳ ስለ ዘይከላእኻኒ፥
ባላቅ ምስ ሞተ፥ ኢዮባብ ወዲ ዛራሕ በዓል ባሶራ ተኪኡ ነገሰ።
ባላቅ ምስ ሞተ ኽንድኡ ኢዮባብ ወዲ ዛራ ኣብ ባሰራ ኾይኑ ነገሰ።
እግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ድማ ብዙሕ ሕሩድ ክገብር እዩ እሞ፥ ሰይፊ እግዚኣብሄር ብደም ተኣሊኻ ኣላ፤ ብስብሕን ብደም ጡበታትን ወጣጡን ብስብሒ ዀላሊት ማጓሉን ከዓ ተሸፊና ኣላ።
ቃል ፅድቂ ኻብ ኣፈይ ወፂኡ ኣሎ፤ ኣይምለስንውን እዩ፤ ‘ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኸለይ፥ ኵሉ ልሳን ከዓ ብኣይ ክምሕል እዩ’ ኢለ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ።”
እዝ ካብታ ኣብ ኤዶምያስ ዘላ ኸተማ ባሶራ፥ ቀይሕ ግምጃ ለቢሱ፥ ብኽዳውንቲ ዘጌፀ፥ ምስ ምሉእ ሓይሉን ጕልበቱን እናሰጐመ ዝመፅእ ዘሎ፥ እዙይ መን እዩ? “እቲ ብፅድቂ ዝዛረብ፥ ንምድሓን ምሉእ ስልጣን ዘለኒ ኣነ እየ።”
ንምድሮም ንመደነቕን፥ ንዘለኣለም መሳለቕን ገበርዋ፤ ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ይግረም፤ ብምግራምውን ርእሱ ይንቕንቕ።
ነዛ ኸተማ እዚኣ ንመገረምን መሰክሕን ክገብራ እየ። ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ከዓ ስቓያ ሪኡ ኸስካሕኽሕን ከላግፅን እዩ።
ኵልኻትኩም ኣቱም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጥኩም ዘለኹም ሰብ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ እንሆ፥ ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያው እዩ!’ ኢሉ ሓደ ኣይሁዳዊ እኳ ስመይ ድሕሪዙይ ከይሰሚ፥ በቲ ዓብዪ ስመይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣብ ቂርዮት፥ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብ ዝረሓቓን ዝቐረባን ኵላተን ከተማታት ሞኣብ መቕፃዕቲ መፂኡ እዩ።
እንሆ፥ ከም ንስሪ ኽነፍር፥ ኣኽናፉውን ኣብ ልዕሊ ባሶራ ኽዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ጀጋኑ ኤዶምያስ፥ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።”
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንባቢሎን ዝዋግኡ፥ ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖም ሰባት፥ ከም ዘምፅአላ ብርእሱ መሓለ። ንሳቶም ከዓ ኣብ ልዕለኺ ኽፍክሩ እዮም።
ኣብ ምድሮም ንፁህ ደም ኣፍሲሶም እዮም እሞ፥ ብሰንኪ እቲ ንደቂ ይሁዳ ዝተገብረ ዓመፅ፥ ግብፂ ኽትባድም፥ ኤዶምያስ ከዓ ምድረ በዳ ኽትከውን እያ።
ኣብ ልዕሊ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ባሶራን ድማ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”
ኣምላኽ ሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር “ንትዕቢት ያእቆብ እፅየፎ እየ፤ ኣደራሻቱ ኸዓ ፀላእኹ። ነታ ኸተማውን ምስቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ፥ ኵሉ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።
እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ቤት ያእቆብ ሓዊ፥ ቤት ዮሴፍ ከዓ ነበልባል፥ ቤት ኤሳው ድማ ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ኸንድድዎምን ከጥፍእዎምን እዮም፤ ካብ ቤት ኤሳው፥ ሓደ እኳ ተረፍ ኣይህሉን እዩ።”