10 ኣነ ግና ንኤሳው ቀላዕኽዎ፤ ንመሕብኢኡ ድማ ገለፅክዎ፤ ክሕባእ ከዓ ኣይኽእልን እዩ። ዘርኡን ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ክጠፍኡ እዮም፤ ንሱውን ድሕሪዙይ ኣይህሉን እዩ።
እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ እዩሞ፥ ነቶም ቅዱሳኑውን ኣይሓድጎምን እዩሞ፥ ንዘለኣለምውን ይሕልዎም፤ ንንፁሃን ከዓ ይብቀለሎም፤ ዘርኢ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።
ኣጋ ምሸት ድንጋፀ ይመፅእ፤ ግና ምድሪ ምስ ወግሐውን ኣይርከቡን። ግደ እቶም ዝማረኹናን፥ ብፅሒት እቶም ዝዘመቱናን እዙይ እዩ።
ኣነ ብስምካ ዝፀዋዕኹኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ፥ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ኣብ ፀልማት ዘሎ መዝገብን፥ ኣብ ስውር ዝተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ።
ስለዙይ ሓፍረትኪ ምእንቲ ኽረአ፥ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ።
ኣነ ኸይሪኦ ኣብ ስውር ስፍራ ኽሕባእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመላእኹስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር።
ታው። ኦ ጓል ፅዮን፥ መቕፃዕትኺ ኽውዳእ እዩ፤ ድሕሪ ደጊም ኣየማርኸክን እዩ፤ ኣቲ ጓል ኤዶምያስ ንበደልኪ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሓጢኣትኪ እውን ክቐልዖ እዩ።
ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሓብኡ፥ ደልየ ኻብኡ ኸውፅኦም እየ፤ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እንተ ተሓብኡውን፥ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኽነኽሶም እዩ።
ኤሳው ከመይ ተመርመረ! ዝተሓብአ ነገር ከመይ ተደለየ!
ኣታ ቴማን፥ ኵሎም ሰባት ካብ እምባ ኤሳው፥ ተቐቲሎም ምእንቲ ኽጠፍኡ፥ ጀጋኑኻ ኽርዕዱ እዮም።”
እዙይ ከዓ “እቲ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፤ ንኤሳው ግና ፀላእኹ” ዝብል ፅሑፍ ስለ ዘሎ እዩ።