8 ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ከተማ፥ መጥፍኢ ኽመፅእ እዩ፤ ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይተምልጥን እያ፤ እቲ ለሰ ኽጠፍእ፥ እቲ ጐልጐልውን ክበርስ እዩ።
መበለታቶም ካብ ሑፃ ባሕሪ በዝሓኒ፤ ኣብ ልዕሊ እኖ ኣጓብዝ፥ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምፃእኹ፤ ብድንገት ጓህን ራዕድን ኣውረድኩላ።
ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።
ንሞኣብ ዝድምስስ፥ ንዕርድታታ ኸዓ ዘዕኑ፥ እንሆ፥ መፂኡ እዩ እሞ፥ ኣቲ ጓል ዲቦን፥ ካብቲ ኽቡር ስፍራኺ ወሪድኪ ኣብ ፅምኣት ተቐመጢ።
ኣብ ልዕሊ ባቢሎን መጥፍኢ ኽመፅእ እዩ፤ ጀጋኑኣ ኽማረኹ እዮም፤ ቀስትታቶም ክሰባበር እዩ፤ እግዚኣብሄር ንግፍዐኛ ዝብቀል፥ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ዝፈዲ ኣምላኽ እዩ።
“ኣቲ ጓል ህዝበይ፥ እቲ መጥፍኢ ብድንገት ክመፀና እዩ እሞ ኸሊ ተኸደኒ፤ ኣብ ሓሙዅሽቲ ፈፈው በሊ፤ ንሓደ ወዳ ኸም እትሓዝን ሕዘኒ፤ መሪር ብኽያትውን ብኸዪ።
ስለዙይ እንሆ ኣነ ንግድሚ ሞኣብ፥ ብወገን ከተማታት ካብተን ብዅሉ ኸባቢኣ ዘለዋ ኸተማታት ክቡራት እታ ምድሪ፥ ካብ ቤት የሺሞት፥ ካብ በዓልሜዎን ካብ ቂርያታይም ክኸፍት እየ።
ክሳዕ ሓሴቦንን እተን ኣብ ጐልጐል ዘለዋ ዅለን ከተማታታን፥ ዲቦንን ባሞትበዓልን ቤትበዓልሜዖንን፥
ኵለን ከተማታት ጐልጐልን ኵላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሓሴቦን ነጊሱ ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ምስቶም ሹመኛታት ሚድያን፥ ኤዊን ሬቀምን ፁርን ሑርን ሬባን፥ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሹመኛታት ሴዎን፥ ሙሴ ዝሰዓሮም እዮም።
እታ ምድሪ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፥ ካብታ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማ ኸዓ ዅሉ ጐልጐል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦን ትበፅሕ ነበረት።