5 ብዓቐበት ሉሂት ብርቱዕ ብኽያት እናበኸዩ ይድይቡ፤ ኣብ ቍልቍለት ሖሮናይም፥ ድምፂ ጥፍኣትን መሪር ኣውያትን ሰምዑ።
ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፥ እቶም ካብኣ ዝሃደሙ ናብ ዞኣር፥ ናብ ኤግላት ሸሊሽያ ዀብለሉ፤ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ ኣለዉ፤ ኣብቲ ናብ ሖሮናይም ዝወስድ መንገዲውን፥ ጠፋእና እናበሉ ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።
ካብ ሖሮናይም፥ ናይ ምድምሳስን፥ ድምፂ ዓብዪ ጥፍኣትን፥ ዝብል ኣውያት ይስማዕ ኣሎ!
ሞኣብ ጠፊኣ እያ። ደቃውን ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።