46 ኣታ ሞኣብ፥ ህዝቢ ካሞሽ ጠፊኡ እዩ፤ ኣወዳትካ ተማሪኾም፥ ኣዋልድካ ኸዓ ኣብ ምርኮ ኸይደን እየን እሞ ወይለኻ!
ሽዑ ሰሎሞን ንርዅሰት ሞኣብ ንካሞሽ ንርዅሰት ደቂ ኣሞን ንሞሎኽ መስገዲ ዝኸውን ኣብ መንፅር ኢየሩሳሌም ኣብ ዘሎ ዀረብታ ሰርሐ።
ንጉስ ኢዮስያስ፥ ነቲ ብምብራቕ ኢየሩሳሌም፥ ብደቡብ ዀረብታ ጥፍኣት፥ ዝነበረ ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽቲ፥ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል፥ ነታ እተፀይፍ ኣስታሮት ጣዖት ሲዶናውያንን፥ ነቲ ዘፀይፍ ካሞሽ ጣዖት ሞኣባውያንን፥ ነቲ ዘፀይፍ ሚልኮም ጣዖት ደቂ ኣሞን ሰሪሑሎም ዝነበረ ኣርከሶ።
ከም ዝነፍር ዒፍ ከም ዝተበተኑ ጫቚታት፥ ከምኡ ኣጓላት ደቂ ሞኣብ ኣብ መሳገሪታት ኣርኖን ክኾና እየን።
ሽዑ ኸምቲ ህዝቢ እስራኤል፥ ይእመንዎ ብዝነበሩ ቤቴል ከም ዝሓፈሩ፥ ሞኣባውያን ከዓ ኸምኡ ብካሞሽ ክሓፍሩ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሞኣብ ብግብርኽን ብሃብትኽን ስለ እትተኣማመኒ፥ ንስኺውን ክትተሓዚ ኢኺ፤ ካሞሽውን ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።
ሞኣብ ወይለኻ፤ ናይ ከሞስ ህዝቢ ጠፋእኻ፤ ኣወዳት ደቁ ንምህዳም፥ ኣዋልዱ ንምርኮ፥ ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።
ንስኻ እቲ ኸሞሽ ኣምላኽካ ዝሃበካ ውረስ፤ ንሕና ኸዓ ኸምኡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝሃበና ኽንወርስ ኢና።